Home ዜና ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ሊሚንየስ ፈንድ ምስ ማልት ብምትሕብባር ካብ 9-14...

ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ሊሚንየስ ፈንድ ምስ ማልት ብምትሕብባር ካብ 9-14 ዕድመ ዘለዎም ልዕሊ 7800 ህፃናት መልሚሉ ዕድል ትምህርቲ ንኣባፅሕ ንምሃብ ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ከምዝሰልዐ ኣፍሊጡ።

799

እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ኣብ 3 ወረዳታት ትግራይ ዕድምኦም ካብ 9-14 ንዝኾኑ ኣባፅሕ ዕድል ትምህርቲ ንምሃብ ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር መዲቡ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ዝሓበሩ ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ፕሮግራም ሊሚንየስ  ትግራይ ኣይተ ወልዱ ተጫነ እቲ ፕሮጀክት ንልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ብቐጥታ ተጠቃሚ ከምዝገብር ገሊፆም።።

ምስ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኦፕሬሽን ረስኪዩ ኢትዮጵያን መካነ እየሱስ ልምዓትን ብሓባር ንምስራሕ ዉዕሊ ዝተፈራረመ ትካል ሊሚንየስ ፈንድ፣ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝሰርሖም ዝነበረ ስራሕቲ ብፉሉይ ወሲኹ ኣዝዮም ንዝተፀገሙ ኣባፅሕ ግልጋሎት ንምሃብ ንክልተ ዓመታት ዝፀንሕ ዉዕሊ ከምዝኣሰሩ  ላዕለዋይ ዳይሬክተር ፕሮግራም ሊሚንየስ ፈንድ ዶ/ር ኣለማየሁ ሃይሉ ሓቢሮም።

ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ለሚንየስ ፈንድ ብሓባር ንምስራሕን ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ንምትግባርን ዉዕሊ ዝኣሰሩ ማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኦፕሬሽን ረስኪዩ ኢ/ያን መካነ እየሱስ ኢ/ያ ጨንፈር ትግራይን ብወገኖም ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ እጃሞም ንምብርካት ኩሎም ዓቕምታቶም ተጠቓሞም ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

ትካል ሊሚንየስ ፈንድ ኢ/ያ ሓዊሱ ኣብ መላእ ሃገራት ኣፍሪካ ዝነጥፍ ገባሪ ሰናይ ኮይኑ፣ እቲ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ህፃናት ትግራይ በፂሑ ዘሎ ከቢድ ሃሰያ ኣብ ግምት ብምእታው ሳይንሳዊ መፅናዕትታት ብምክያድ ፀገማት ንምቅላል ቱኽረት ሂቡ ከምዝሰርሕን ንቐፃልነት እቲ ሒዝዎ ዘሎ ፕሮጀክት ንምስፋሕ ድማ ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ከምዝዕድምን ኣፍሊጡ።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ