Home ዜና “ዓለም መዓልቲ ነፃነት ሚድያ ክተኽብር እንከላ ድምፂ ዝሰኣነ ጀኖሳይድ ትግራይ ድምፂ ክትከውን...

“ዓለም መዓልቲ ነፃነት ሚድያ ክተኽብር እንከላ ድምፂ ዝሰኣነ ጀኖሳይድ ትግራይ ድምፂ ክትከውን ይግባእ፡፡” ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ

959

ህዝቢ ማሕበር ቁጠባውን ፖለቲካውን ድምፂ ክትስማዕን ፍትሓዊ ጠለባቱ ከማሉኡን ሚድያ ወሳኒ ቦታ ኣለዎ፡፡ ፋሽስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዓልን መላፍንቱን ግና፤ ሚድያታት ትግራይ ብምዕፋን ህዝቢ ኣፅኒቶም። ሕዚ እውን እዞም ፋሽስታውያን ሚድያታት ብምዕፃውን ዓለም-ለኸ ሚድያታት ከይኣትው ብምክልኻልን ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ንምንዋሕ ሚድያ ከም መሳርሒ ጀኖሳይድ ይጥቀሙ ከምዘለው ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ገሊፆም።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ሕዚ እውን መስካሕካሓይነቱ ቀፂሉ ኣሎ ዝበሉ እቶም ጋዜጠኛታት ነዚ ኣብ ምቅላዕ ህዝባዊ ሓላፍነቶም ኣሐዪሎም ድልዋት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።ሰብ ሞያ ሚድያታት ትግራይ ግዳይ ዓፈና ሚድያን ጥሜትን ኮይኖም ከምዘለው ዝገለፁ እቶም ጋዜጠኛታት ዓለም መዓልቲ ነፃነት ሚድያ ክተኽብር እንከላ ድምፂ ዝሰኣነ ጀኖሳይድ ትግራይ ድምፂ ንምዃን ትኹረት ክትገብረሉ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።ኣብ ትግራይ ይፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ብስሙር ቅልፅምን ሞያዊ ኣበርክቶን ከምዝብዳህን ምእንተ ’ዚ ሓባራዊ ስራሕ ከምዘድሊ እቶም ጋዜጠኛታት ገሊፆም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ