Home ዜና ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰይድ ኣሕመደ  ነጋሺ ብሰንኪ ሙሉእ ክባ ፀላእቲ ልሙድ ስነ...

ዓመታዊ ክብረ በዓል ሰይድ ኣሕመደ  ነጋሺ ብሰንኪ ሙሉእ ክባ ፀላእቲ ልሙድ ስነ ስርዓቱ ሓልዩ ክበዓል ኣይከኣለን።ተሳተፍቲ እቲ በዓል 

1115

ንዘመናት ሃይማኖታዊ ትውፊታቱ ሓልዩ እናተኸበረ ዝመፀ ዓመታዊ ዝያራ ኣሕመደ ነጋሺ ሎም ዘበን ግን  ሚሒር ፅልኢት እዞም ፀላእቲ ጫፍ ዓሪጉ  እዚ ህዝቢ ኣብ ሙሉእ ክባን ዕፅዋን ክኣቲ ብምግባሮም እዚ በዓል ብኣፃብዕቲ ብዝቁፀሩ ሰባት ጥራሕ ክኽበር ምኽኣሉ ልቢ እዞም ኣመንቲ ዝሰበረ ተግባር ኮይኑ ከም ዝሓለፈ ኣብቲ ቦታ ዝረኸብናዬም ዑላማን ኣመንትን ገሊፃም። 

 

ተምሳሌት ፍትሕን ርትዕን ኣብነት ምኽንያታውነት መቦቀል እስልምና ኣብ ኢትዬጵያን ብኣውርኡ ድማ ኩርዓትን መግለፅን እታ ዓዲ ኾይኑ ዝዘለቀ ታሪኻዊ ቦታ ነጋሽ ማእኸል መግለፂ ምሕዝነት ህዝብታትን መግለፂ ኢትዬጵያን ኮይኑ ምዝላቁ  ንዘመናት ካብ መላእ ኢትዬጵያን ኤርትራን ብምምፃእ ኣብዚ ዓመታዊ ክብረ በዓል ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣመንቲ መግለፂ እዩል፡”።

   እዚ ቡዙሕ ዝለመደን በዓል ውዕለታ ኢትዪጵያውያንን ዝኾነ ታሪኻዊ ቦታ  ግን ሰብ ዋንኡ ዝኾኑ ደቂ ትግራይ ብሰንኪ ታሪኻውያንን ቂመኛታትን ፀላእቲ   መናእሰያቱ ግዳይ መርሸንቲ ደቂ ኣንስትይኡ መላገፂ እዞም ግዕዙያት መረብኡን ድሕሪ ገዝኡን ድማ ልሙድ ሲኢኑ መቃብር ስድራቤታት ክኸውን ዝተገደደሉ ግዜ እዩ። እዚ ንዘመናት ሃይማኖታዊ ትውፊታቱ ሓልዩ እናተኸበረ ዝመፀ ዓመታዊ ዝያራ ኣሕመደ ነጋሺ ሎም ዘበን ግን  ሚሒር ፅልኢት እዞም ፀላእቲ ጫፍ ዓሪጉ  እዚ ህዝቢ ኣብ ሙሉእ ክባን ዕፅዋን ክኣቲ ብምግባሮም እዚ በዓል ብኣፃብዕቲ ብዝቁፀሩ ሰባት ጥራሕ ክኽበር ምኽኣሉ ልቢ እዞም ኣመንቲ ዝሰበረ ተግባር ኮይኑ ሓሊፉ ኣሎ። 

 እንተኾነ ግን ኩሎም ፀገማት ትሕቲ መስዋቲ እዬም። ዝበሉ እዞም ኣመንቲ ክብሪ ትካላት እምነትናን ዓድናን ናብቲ ወለድና ዘረከቡና ብራኸ ንምምላስ ንሕና ብፆሎት ደቅና ብግምባር ኮይና ብሕብረት ክነሳኽዖ ኢና ሓሳብ ተሳተፍቲ እዚ በዓል እዩ።