Home ዜና ዓርሰ ተበግሶ ንምትሕግጋዝ ተምሃሮ ዓድዋ

ዓርሰ ተበግሶ ንምትሕግጋዝ ተምሃሮ ዓድዋ

766

ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝርከቡ ተወለድቲ ከተማ ዓድዋን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይን ዘተኣኻኸብዎ 5 ነጥቢ5 ሚልዮን ብር ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ 46ዐዐ ተምህሮ፣ን112 ብሉጻት ተምሃሮን ን830 ማሕበረሰብ ትምህርቲን ገንዘባዊን ንዋታውን ሓገዝ ተገይሩ።

ኣብቲ “ዓርሰ ተበግሶ ንምትሕግጋዝ ተምሃሮ ዓድዋ “ብዝብል ሓሳብ ዝተሳለጠ መድረኽ ርኽክብ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ዮሃንስ ገብረኣምላኽ ኣብታ ከተማ ብወረርቲ ሓይልታት ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ዝግመት ናይ መንግስትን ዉልቀን ትካላት ንግዲ ከም ዝዓነዉን ዝተወረሩን ብምግላጽ ዳግመ ሕውየትና ንምርግጋጽ እቲ ቀንዲ ዘፈር ትምህርቲ ምሕዋይ ስለዝኾነ ኣብዚ መዳይ ተወዲብኩም ንእትገብርዎ ዘለኹም ስራሕ ብስም ህዝቢ ከተማ ዓድዋ ምስግነኦም ኣቕሪቦም።

ኣቦ መንበር ማሕበር ዓርሰ ተበግሶ ምትሕግጋዝ ዓድዋ ዶ/ር በረኸት ሃይለስላሴ ጸላእትና ወሎዶ ትግራይ ክድንቁርን ክበርስን ተሊሞም ዘካየድዎ ጽንተት ክነሕዉዮ እንኽእል ብሕብረት እዩ’ሞ ንልዕሊ 3 ዓመታታ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኮይኖም ዝጸንሑ ተምሃሮን ማሕበረሰብ ትምህርትን ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ልዕሊ 5 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ብር ምትእኽኻብ ከም ዝተኽኣለ ገሊጾም።

በቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ዝተገዝኡ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ጣብያታት ኣሉላ፣ደብርቺ፣ሓየሎምን ኣብነትን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ብተወሳኺ ኣብቲ መድረኽ ንቡሉጻት ተምሃሮ መምህራን ፍሉይ ድሌት ንዝጠልቡ ወገናት ድማ ናውቲ ሓገዝ ትምህርትን ገንዘብን ሓጊዛ ያ እታ ማሕበር።

ብዮሃንስ ብርሃነ