Home ስፖርት ዓወት ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት

ዓወት ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት

81

ኣብ ኖርወይ ኦስሎ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 5 ሽሕ ሜትሮ ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊቱ።

ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት ብሉፅ ብቕዓት ኣብ ዘርኣየሉ ንሕንሕ ንዝተመደበ ርሕቀት ብ12 ደቒቓ 36 ሰከንድን 73 ማይክሮ ሰከንድን ብምውዳእ እዩ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣትሌት ሓጎስ ኣብቲ ውድድር ንዝተሳተፉ ወናኒ ክብረወሰን 5 ሽሕ ሜትሮን ሻምፕዬን ኦሎምፒክን ጆሽዋ ቸፕተግይ ፣ ክልተ ግዘ ተዓዋቲ ጉያ በረኻ ዓለም ጃኮብ ኪፕሊሞ ን ኣትሌት ዬሚፍ ቀጀሊቻን ብምብላፅ ነቲ ዓወት ምምዝጋቡ ካብ ብዙሓት ናእዳ ረኺቡ።

ኣትሌት ዬሚፍ ቀጀሊቻ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ እንትዛዝም ዩጋንዳዊ ጃኮብ ኪፕሊሞ ሳልሳይ ወናኒ ክብረወሰን እቲ ርሕቀት ጆሽዋ ቸፕተግይ ድማ ታሽዓይ ደረጃ ሒዙ።

ኣብ ከተማታት ዣይመን፣ ሻንግሃይ፣ዶሃ፣ ማራካሽ፣ዩጂንን ኦስሎን ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 ሰንበት 25 ግንቦት 2016 ዓ/ም ኣብ ፓሪስ ክቕፅል እዩ።

#ክብሮም ተስፋይ