Home ዜና ዕርበት ፀሓይ ስልጣን ፋሽስት

ዕርበት ፀሓይ ስልጣን ፋሽስት

1161

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ኣዊጅዎ ዘሎ ኲናት ምልክት ተስፋ ምቑራፅን፤ ህዝቢ ኦሮሞ ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ይህቦ ዘሎ ልዑል ድጋፍ መንበረ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ምእታዉ ስለ ዘረጋገፀ ምዃኑን ተገሊፁ፡፡

ብስልጣኑ ካብ ምጭናቕ ወፃኢ ህዝባዊ ይኹን ሃገራዊ ራእይ ዘይብሉ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፤ ካብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ተቐጥቂጡ ምውፅኡን ሰራዊት ትግራይ ኣብ ጫፍ ኣዲስ ኣበባ በፂሑ ምምላሱን ዝገለፁ ምስ ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ፃንሒት ዝገበሩ ሰብ ሞያ ሚዲያ ከምኡ ድማ ፖለቲከኛታት ኦሮሞን ቤንሻንጉልን እቲ ጉጅለ ፋሽስት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ከፊትዎ ዘሎ ኲናት እውን ልክዕ ኣብ ትግራይ ከም ዝገጠሞ ስዕረት ይሰዓር ምህላዉ ሓቢሮም፡፡

ብኣምሳል ፈጣሪ ዝተሰርሐ ወዲ ሰብ ምስ ህይወቱ ብሓዊ ዘቃፅል ጉጅለ፤ መርኣያ ግብረ ራዕዲነቱ ምዃኑ ዝገለፀ ጋዜጠኛ ሃፍታሙ ተስፋዬ፤ ንሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ግብረ ራዕዲ ኢሉ ብምስያም ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ነፂሉ ንምውቃዕ ዝተፈላለዩ ፈተነታት እኳ እንተገበረ፤ ካብ መጀመሪኡ ኣትሒዙ ስዕረት ይገጥሞ ኣሎ ኢሉ፡፡

ብሽም ምጥፋእ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፤ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ የካይዶ ዘሎ ናይ ሓደ ወርሒ ወፍሪ፤ ኣብ ልዕሊ መንነትን ታሪኽን ህዝቢ ኦሮሞ ዘነፃፀረ ምዃኑ ዝገለፀ ዓሊዮ ኢስማዒል ብግዲኡ፤ እቲ ጉጅለ ፋሽስት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ህዝቢ ንምንፃል ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እኳ እንተገበረ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ብግልባጡ ይኾኖ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡

ገበቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኢዜማን፤ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ዓዲ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ምስ ዕጥቁ ክኣቱ የብሉን ዝብል ጎስጓስ ምግባሮም ዘዘኻኸረ ዓሊዮ፤ መንነት ወሎ ኦሮሞ ጠፊኡ ብስነ-ልቦና ኣምሓራ ንምልዋጥ ልዑል ፃዕሪ ይግበር ምህላዉ ብምዝኽኻር፤ ዕጡቓትን ሚዲያታትን ኣምሓራ፤ ወሎ ዝብል ስም ንኽርሳዕ ምብራቕ ኣምሓራ ዝብል መፀውዒ ይጥቀሙ ኣለዉ ኢሉ፡፡ ሕልሚ ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራ ፍፁም ዘይሳኻዕ ምዃኑ፤ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝገበርዎ ፍሹል ፈተነ መርኣያ ምዃኑ ዝገለፀ ዓለዮ ኢስማዒል፤ ይገብርዎ ዘለዉ ወፍሪ ግና መንግስታዊ ድጋፍ ዝረኸበ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብህዝቢ ልዑል ቅቡልነት እዩ ዘለዎ፤ እንተኾነ ግና ካብ 2011 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ሓፂር ግዘ ክነጥፈኦ ኢና ኢሎም ይወፍሩ፡፡ ግን ኣይሳኸዐሎምን፡፡ ሐዚ እውን ይሰዓሩ ኣለዉ፡፡ እቲ ጉጅለ ፋሽስት ህዝቢ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይርደኦን፡፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቐት እውን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ እንትእውጅ ብዙሓት ሰብ ሞያን ፖለቲከኛታት ይትረፍካ ኢሎምዎ ኔሮም እዮም፡፡ ፀማም እዝኒ ሂቡ ኲናት ስለ ዝኸፈተ ድማ ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ ተሳዒሩ ወፅዩ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ን4 ዓመታት ከካይዶ ዝፀንሐ ውግእ ሕድሕድ ኣዕናዊ ምዃኑን፤ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ጀኖሳይድ ብደረጃ ዓለም ከም ዝተኾነነ ዝገለፀ ተመስገን ገመቹ ብግዲኡ፤ እቲ ጉጅለ ፋሽስት ካብ ወለጋን ቤንሻንጉልን ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ንምውዳእ ዝሓሰቦን፤ ዘራያት ኣኪቡ ዝፈፀሞን ኲናት ስዕረት ተጎልቢቡ ይጓዓዝ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ኲናት ተሳሒቡ ናብ ኦሮሚያ ኣትዩ እኳ እንተሎ፤ ኣብቲ ሃገር ገጢሙ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ሰብ ክነብረሉ ናብ ዘይኽእል ደረጃ ብምብፅሑ ዝኾነ ሓይሊ ካብቲ ኲናት ተጠቃሚ ክኸውን ኣይኽእልን ኢሉ፡፡

ኣብ ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ኲናትን ወራር ገበቲን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዓሚቕ ትንተና ዝሃቡ እቶም ሰብ ሞያ፤ መበገሲ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ሸውሃት ስልጣን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ድሌት ምስፍሕፋሕቲ ገበቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ምዃኑን እታ ሃገር ሐዚ በፂሓቶ ዘላ ደረጃ ውድቀት ግና ብዕርበት ፀሓይ ክግለፅ ዝኽእል ምኳኑን ሸውሃት ስልጣን ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ድማ ኣብ መፃብብ ምእታዉን ሓቢሮም፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ሃይሉ