Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዕደላ መጠሻ መሬት ንመናእሰይ

ዕደላ መጠሻ መሬት ንመናእሰይ

87

ምምሕዳር ክ/ከተማ ሓወልቲ 541 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ን1 ሽሕን 117 መናእሰይ መጠሻ መሬት ብዕፃ ኣመሓላሊፉ።

ኣብቲ ዕለት ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ዋና ኣማሓዳሪ እቲ ክ/ከተማ ኣይተ ነጋሽ ካሕሳይ እቲ ሐዚ ዝተኻየደ ዕደላ መጠሻ መሬት ቅድሚ 2012 ዓ/ም ተወዲእሎም ብመንግሰቲ ኣንፈት ክሳብ ዝወርድ ኣብ ትፅቢት ዝፀንሑ ምኻኖም ገሊፆም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሚካኤል እኑን ከምዝሓበርዎ መናእሰይ መንግስቲ ዝሃቦም ዕዱል ተጠቒሞም ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክልወጡ ከም ዝኽእሉ ብምእማን ሕድሪ ጀጋኑ ሰውኣት ብምፅናዕ፣ ዘይሕጋዊ ስደት ክከላኸሉን ዝረኸብዎ መሬት ድማ ካብ ዘይሕጋዊ መሸጣ ክቑጠቡን ተላብዮም።

ተጠቀምቲ መናእሰይ ብግደኦም ተጠቃምነት መናእሰይ ንምርግጋፅ ፅቡቕ ጅማሮ ምኻኑን መንግስቲ ከምዚኦም ዝበሉ ዕድላት እንዳፈጠረ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ብዘላቕነት ቀሲኑ ክነብር ዝገብሩ ስራሕቲ ንምዕማም ኣጠናኺሩ ክፅለሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፣ ከም ፀብፃብ ከይዲ ስራሕ ሓበሬታን ርክብን ክ/ከተማ ሓወልቲ።