Home ዜና ዕፅዋ መድሓኒት

ዕፅዋ መድሓኒት

1277

ነበርቲ ጉለመኸዳ ኣይተ ሰሎሞን ተስፋይን ወይዘሮ ዮርዳኖስ ተስፋይን ኣብ ስራሕ መንግስቲ ተቖፂሮም ህይወቶምን ህይወት ስድርኦምን ዘመሓድሩ ዝነበሩ ተጠቀምቲ #መድሓኒት ሕዱር ሕማም እዮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብሰንኪ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለው #ክባን #ዕፅዋን ዝጥቀሙዎ ዝነበሩ መድሓኒት ስኢኖም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ብሕማም ይሳቀዩ ከምዘለው ገሊፆም፡፡
ኣተሓባባሪ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ወረዳ ጉለመኸዳ ኣይተ ኣብርሃም ገ/መድህን ትካላት ጥዕና ወረዳ ጉለመኸዳ ብፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝዓነውን ሐዚ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ስዒቡ ህዝቢ ብሕማምን ብሕፅረት ምግብን ይሳቀ ከምዘሎ ብምሕባር ዛጊድ ብዝተገበረ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ድማ ብሕፅረት መድሓኒት ጥራሕ ልዕሊ 200 ወገናት ከምዝሞቱ ሓቢሮም፡፡
እቶም ብሕፅረት መድሓኒት ሕዱር ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለው ወገናት ብተወሳኺ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአን ዝተሓላለኸን ኩነታት ከምዘለውን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ካብ የተሐሳስበና ወፂኡ ምግብን መድሓኒትን ብህፁፅ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከምዝግባእ ፀዊዖም፡፡
ብምላሹ ኪዱ