Home ዜና ብክባን ዕፅዋን ፋሽስታውያን ንከቢድ ዓፀቦ ዝተቃልዑ ነበርቲ ጉለምኸዳ

ብክባን ዕፅዋን ፋሽስታውያን ንከቢድ ዓፀቦ ዝተቃልዑ ነበርቲ ጉለምኸዳ

1233
0

ወይዘሮ ለተሚካኤል ግደይ ትበሃል ኣብ ወረዳ ጉለመኸዳ ከተማ ፋፂ ትነብር ኣዶ ሰለሰተ ቆልዑ እያ፡፡ እዛ ኣዶ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ተቆፂራ ወርሓዊ መሃያ እናተቐበለት ምዕሩይ ህይወት ትመርሕ ነይራ፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብሰንኪ #ወረርቲ ሓይልታት ዝፍፅምዎ ዘለዉ ክባን ዕፅዋን ሃብና እምበር የለን ዘይፈልጡ ተስፋ ፅባሕ ዝኾኑ ህፃናት ሓቑፉ ኣብ ከቢድ #ዓፀቦ ጥሜት ወዲቃ ትርከብ፡፡
ሰብ ፀጋ ዕድመ ዝኾኑ ኣይተ ገ/ሊባኖስ ወ/ሚካኤልን ወይዘሮ መብራት ኣስፍሃን ዕድመ ልክዕ ፅዒሮም ዘኻዕበትዎ ሃፍቲ ብወረርቲ ሓይልታት ዝተወረሩ ነበርቲ ወረዳ ጉሎመኸዳ እዮም፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ኣብቲ ሓብሓብን መርኩስን ዘድልዮም ዕድመ ዘብልዕን ዘስትን ስኢኖም ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ፀገም ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡
ግዝያዊ ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ጉዳይ ሰራሕተኛ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ ወረዳ ጉሎመኸዳ ኣይተ ሃፍቶም ገ/ሂወት ብወገኖም ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ህዝቢ ወረዳ ጉሎመኸዳ ከቢድ ምውራርን ምዕናውን ሃፍትን ንብረትን ከምዝፈፀሙን ምስ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ስዒቡ ድማ ዛጊድ ብዝተገበረ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ልዕሊ 33 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ከቦድ #ዓፀቦ #ጥሜት ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ #ጀኖሳይድ ብውነ ተረዲኡ ሰብኣውነት ብምቅዳም #ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክልእኽ ከምዘለዎ ድማ እቶም ወገናት ፀዊዖም፡፡

Previous articleዕፅዋ መድሓኒት
Next articleጨካናት ወረርቲ ኣሮግቶትን ደቂ 10 ዓመትን ከይተረፈ ደፊሮምን ማሕፅነን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ጌሮምዎ ኢዮም ፡፡ ብወረርቲ ዝተደፈራ 60 ዝዕድመአን ኣዶ