Home ዜና ውሽጢ ዓዲ “ዘርኢ የብልናን እምበር ዘለና መሬት ብማሕረስ ነላሳልሶ አለና” ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ ኢሮብ

“ዘርኢ የብልናን እምበር ዘለና መሬት ብማሕረስ ነላሳልሶ አለና” ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ ኢሮብ

193

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት እንዳ ሞሳን ሓረዘ ሰብዓታን መሬቶም ኣብ ምልስላስ ዝረኸብናዮም ሓረስቶት ኣብ ዘሎ ድርቂ ኮይኖም መፍረያይነት ዘመነ ምህርቲ 2016/17 ዓ/ም ንምስሳን ኣድላይ ምድላው ይውግኑ ከም ዘለው ተዛርቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ወረዳ ብዘጋጠመ ድርቂ ስዒቡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ይትረፍ ንዘርኢ ዝኸውን ዝብላዕ እውን ከምዘይብሎም ዝሓበሩ እቶም ሓረስቶት ዛጊድ ቀረብ እታወታት ሕርሻ ማለት እውን ምሩፅ ዘርኢ ኮነ መዳበርያ ከምዘይረኸቡ ገሊፆም።

እንዘርአሉ እዋን ኣብ መጀመርያ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ሰነ እዩ ዝበሉ እቶም ሓረስትቶ ብብዕራይ ልፍንቲ ዘላሳለስዎ መሬቶም ፆሙ ከይሓድር ሰግኣት ከምዘለዎም ብምግላፅ ምሩፅ ዘረኢን መደበርያን ብዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብህፁፁ ክቐርበሎም ድማ ተላብዮም።

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ካብ ዝርከብ 1200 ሄክታር ተሓራሳይ መሬት እቲ 533 ሄክታር ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝርከብ ዝሓበሩ ምክትል ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣይተ ሓስበላ በየነ ኣብተን ካብ ፀላኢ ነፃ ኣብ ዝኾና ጣብያታት ዝርከቡ ሓረስቶት እታ ወረዳ ብድርቂ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ማህሰይቲ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

እቶም ሓረስቶት ዘለዎም ፀገማት ተፃውሮም መፍራያይነት ንምስሳን ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለው ዝሓበሩ ኣይተ ሓስበላ ይኹን እምበር ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ ከምዘየለን ብመንግስቲ ዝተተመነ ዋጋ መደበርያ እውን መገዝኢ ዓቅሚ ከምዘይብሎምን ብምግላፅ እቲ ዘሎ ፀገም ልዕሊ ዓቅሚ እቲ ወረዳ ብምዃኑ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ቅልጡፍ ሓገዝ እታወታት ሕርሻ ክገብሩ ፀዊዖም።

#ብታደለ_ዳኘው