Home ዜና ሲምፖዝየም ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀት ጥዕና ትግራይን

ሲምፖዝየም ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀት ጥዕና ትግራይን

653

ኢንስቲዩቱዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕናን መድረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ንማሕበራውን ስነ ልቦናውን ሃሰያ ዝተቓልዐ ማሕበረሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ጥዕና ንምሃብን ስርዓት ኣመጋግባኡ ንምስትኽኻልን ትዂረት ዝገበረ ሲምፖዝየም ሕውየትን ዳግመ ህንፀት ጥዕና ትግራይን ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ከም ዝተፈፀመ ይፍለጥ።

ኢንስዩቲዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ኣብ ፀገም ጥዕና ማሕበረሰብን ስነ ኣመጋግባን ኣድሂቡ ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ፣ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ሲምፖዝየም ሕውየትን ዳግመ ህንፀት ጥዕና ትግራይን የሳልጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ምይይጥ ኣብ ትግራይ ዝሓሸ ግልጋሎት ጥዕና ማሕበረሰብ ንምሃብ ዝሕግዝ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ መሰረታዊ ስርዓት ጥዕና ንምሕዋይ ድማ ከም ሰብ ሞያ ጥዕና ድልውነትና እነረጋግፀሉ እዩ ኢሎም።

ስርዓት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ እንተኾይኑ ተሞክሮ ዝተፈላለያ ሃገራት ምውሳድ ከም ዝጠልብ ዝገለፁ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲዩቲዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ሓየሎም ካሕሳይ ነብሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ድማ ጥዕናኡ ኣብ ምሕላውን ኣብ ስርዓት ኣመጋግባኡ ዘለውዎ ትሑት ግንዛበ ዝያዳ ክነበርኽ ይግባእ ኢሎም።

#መርሃዊ ተስፋይ