Home ዜና ዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን

ዘተ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን

634

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕደር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ካቢኔኦም ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፌዴራልን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘተ የካየዱ ኣለው። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለምን ሚኒስትር ፋይናንስ ፈዴራልን ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት፣ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዘድሃበ ዘተ እናካየዱ’ዮም።

ቢሮ ፋይናንስን ሃፍቲ ምሕዳራን ትግራይ ድማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኵናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ዘካየዶ ዳህሳስ ቀሪቡ እናተዘተየሉ እዩ።ኣብቲ ኣብ ዙርያ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ዘድሃበ ዘተ ዝምልከቶም ኣባላት ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትር ፋይናንስ ወ/ሮ ሳማሪታ ስዋሰውን ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይሬክተር ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኦስማን ድዮንን ተረኺቦም።

ብኪሮስ መሓሪ