Home ዜና ዘተ ምንቕቓሕ ማሕበር ኣክሲዮን መትከል ቴክ

ዘተ ምንቕቓሕ ማሕበር ኣክሲዮን መትከል ቴክ

275

ብልዕሊ 7 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ዝምስረትን ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ፀሓይ ዝነጥፍን ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕብየት ትግራይ ከቃላጥፍ ትፅቢት ከምዝግበር ተገሊጹ።ሕ/ሰብ ኣክስዮናት ብምዕዳግ ተጠቃሚ ክኸውን እውን ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ነዚ ዝሓበረ ኣብ ዙርያ ሕ/ሰብ ኣክሲዮን ንክዕድግ ዓሊሙ ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ ዘተ እዩ።

ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ብልዕሊ 7 ነጥቢ 7 ቢልዮን ብር ዝምስረት ኣብ ተሓዳሲ ሓይሊ ጸዓት ዝነጥፍ ዓብዪ ትካል እዩ።

እዚ ኣብ መቐለ ዝህነጽን በቢዓመቱ መጠን ዓቕሙ ዝውስኽ ዓመታዊ ክሳብ 60 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከፍርይ ዝኽእልን ፋብሪካ ንምጥያሽ ምድላዋቱ ከምዝወገነ ድማ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኢንጂነር ሙሉኣለም ሃይለማርያም ገሊጾም።

ልዕሊ 80 ሚኢታዊት ህዝቢ ትግራይ መነባብርኡ ኣብ ገጸር ዝተሞርኰሰ ብሙዃኑን ቱሪዝማዊ ሃፍተ ገነት ትግራይ ንምህዋጽን ዝርግሐ ሓይሊ ጸዓት ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ኢንጂነር ሙላለም ሃይለማርያም ኣረዲኦም።

እዚ ፕሮጀክት ፥ ተበጻሕነትን ሽፋንን ሓይሊ መብራህትን ምስፍሕፋሕ ምዕባለ ኢንዳስትራልያዊ ትግራይ ክዓብይ ባይታ ከምዝፈጥር ዝገለጹ ድማ ሓላፊ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዶ|ር ከላሊ ኣድሃና’ዮም።

ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝበቐዐ ወለዶ ንምፍጣር ከም መትከል ቴክ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ምሕያል ከምዘድሊ ድማ ጀነራል ሃይለስላሰ ግርማይ ኣገንዚቦም።

ዶ|ር ሙልጌታ ገብረህይወት ብወገኖም ፥ ዳግመ ህንጸት ትግራይ ዝትግበር ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ተጋሩ ከምዝኾነን ፥ ካብዚ ፕሮጀክት ኣክስዮን ምዕዳግ ቁጠባዊ ሓርነት ትግራይ ምዕባይ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ትካል ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ሸርፊ ወጻእን ንምምፃእን ሓጋዛይ ከምዝኾነን ሰብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ወነንቲ ኣክስዮን መትከል ቴክ ይኾኑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ዛጊድ 10 ሚኢታዊት ኣክስዮን መትከል ቴክ ፥ ሰብ ሃብቲ ናይጄርያ ክዕድጉ ቃል ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ኢንጂነር ሙላለም ሃይለማርያም ፤ ቻይናውያንን ኣሜሪካውያንን እኰላይ ኣካል እቲ ኣክስዮን ክኾኑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበጸሐ ተገሊጹ።

ካብ ዝተሓተ 30 ሽሕ ብር ክሳብ ዝለዓለ 20 ሚልዮን ብር መጠን ኣክስዮን ምዕዳግ ከምዝከኣልን ፥ ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 20 ሚልዮን ብር ዝዓደጉ ድማ መስራቲ ኣባል ማሕበር ኣክስዮን መትከል ቴክ ከምዝኾኑን ከዓ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

#ብኤፍሬም_ረደሀይ