Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ዘተ ኣመራርሓ ዞባ ምብራቕ

ዘተ ኣመራርሓ ዞባ ምብራቕ

67

ማሕበረ ቑጠባውን ፖለቲካውን ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ በብርኩ ምስ ዘለው ኣካላት ኣመራርሓን ህዝቢን ገፅ ንገፅ ተራኺብካ ምዝታይ ከምዘድሊ ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ሓቢሮም።

እቶም ምክትል ፕረዚደንት ነዚ ዝሓበሩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣመራርሓ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ሓፈሻዊ ህልው ኩነታት እቲ ዞባ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሳልጥዎ ዘለው መድረኽ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ማሕበረ ቑጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንክወፅእ ቅንዕና መሪሕነት ኣዝዩ ወሳኒ ከምዝኾነ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣገንዚቦም።

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ሽሻይ መረሳ “ህዝቢ ክንመርሕ ሓላፍነት ዝተውሃበና ኣካላት ኣመራርሓ ኣብ ባዕልና ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ፈቲሕና ነቲ ግዜ ዝጠልብ ውፅኢታዊ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም።

#ብሚክያስ_ታፈረ