Home ዜና ዘተ ኣብ እዋን ስግግር ፍትሒ

ዘተ ኣብ እዋን ስግግር ፍትሒ

702

ብሚኒስተር ሚኒስትር ፍትሒ ፌዴራል ዶ/ር ጌዶዎን ጢሞቴዎስን ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ዙርያ እዋን ስግግር ፍትሒ ንምዝታይ መቐለ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ብፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ምክትል ፕሬዚዳንትን ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ካልኦት ዝምልከቶም ካብኔን ተራኺቡ ይዝቲ ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝምዕብል ዘሎ ከይዲ ሰላም ኣጠናኺርካ ንምቕፃልን ዘላቕነት ክህልዎ ምርግግጋፅ ፍትሕን ተሓታትነትን ቀዳምነት ክንህቦ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ኣብ መቐለ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ድማ ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ሃገር ስግግር ፍትሕን ተሓታትነትን ክረጋገፅ መሰረት ዝንበረሉን ናብ ተግባራዊ ስራሕ ዝእተወሉን ክኸዉን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሚኒስተር ሚኒስትር ፍትሒ ፌዴራል ዶ/ር ጌዴዎን ጢሞቴዎስ ኣድላይነት እቲ ዘተ ብመሰረት ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶርያን ቅድም ክብሉ ዝተዉሃቡ ምኽረ ሓሳባት ሃገራዊ ዝኾነ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ከም ዘድሊ ተሓሳቢ ብምግባር ስራሕቲ ምድላዉ ስግግር ፍትሒ ኣብ ምጅማር ንርከብ ኢሎም።

እቲ ዝህልወና ፖሊሲ እዉን ብኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ተቐባልነት፣ ተኣማኒነት፣ ትካላትን ኣከያይዳን ዝፈጥር ክኸዉን ኢና ንደሊ ዝበሉ ዶ/ር ጢሞቴዎስ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ድማ ኣብ ምድላዉ እቲ ፖሊሲ ዝምልከቶም ሰብ ብፅሒትን ኩሎም ኢትዮጵያዉያንን ዝሳተፍሉ ሃገራዊ ዘተ ክህሉ ከም ዘለዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ጀንሳይዳዊ ኩናት ብጣዕሚ ዘሐዝን ከቢድ ሰብኣዉን ንዋታዉን ኪሳራ በፂሕዋ ኢዩ ዝበለ እቲ ሚኒስተር እዚ ኩሉ ፍፃመ ሓሊፉ ዘሊቒ ሰላምን ፍትሕን ንምርግጋፅ ብቐፃሊ ድማ እዚ ከይድገም ንባዕልና ከም ሃገርን ከም ህዝብን ክንቅፅል ክንብል ተመኻኺርና መዕረፊ ክንገብረሉ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ኮሚሽነር ከምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ዕላማ እቲ ዘተ ዝግበረሉ ዘሎ ሰነድ ስግግር ፍትሒ ብሰንኪ እቲ ዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ዝበፀሐ ዕንወትን ሰብኣዊ ክሳራን ሓቂ ምእላሽን ምርግጋፅን፣ ግዳያት እቲ ኩናት ዝኾኑ ዜጋታት ፍትሒ ክረኽቡን ክከሓሱን፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ምርግጋፅ ፣ዝተፈፀመ ገበናት ዳግም ንኸይድግም ዘላቒ መፍትሒ ምቕማጥ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ