Home ዜና ዘተ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኻት ጀርመን

ዘተ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኻት ጀርመን

252

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዛዕባ ቁጠባዊ ዕብየት ትግራይ ኣድሂቦም ምስ ብፊሊፕ ክኒል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻት ጀርመን ዘትዮም።

ጀርመን ኣብ ምዝማን ሕርሻ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ትግራይ ጀሚራቶ ዘላ መንገዲ ኣጠናኺራ ክቅፅል እዉን ተላብዮም ኣለዉ ኣይተ ጌታቸው።ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ብዘይምትግባሩ ክሳብ ሕዚ ግዝኣት መሬት ትግራይ ተወሪሩ ከምዘሎን ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኮይኑ ከቢድ ህይወት ይመርሕ ከምዘሎን ነቲ ልኡኽ ጉጅለ ዘብራህርሁ ኣይተ ጌታቸው፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ብርክት ዝበለ ሃፍትን ንብረትን ብምዕናዉ ድማ እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ድርቂ ዝኸፍአ ንክኸዉን ከምዘኽኣሎ ሓቢሮም።

ብፊሊፕ ክኒል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኻት ጀርመን ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ተሓታትነት፣ ብሄራዊ ልዝብ መንግስቶም ዝከኣሎ ሓገዝ ከምዝገብር ብምሕባር፣ ኣብ ትግራይ ዘላዊ ሰላም ክሰፍን፣ ቁጠባ ትግራይ ክነቓቓሕን ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ