Home ዜና ዘተ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን

ዘተ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን

631

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቲቨን ኣውየር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ክልላዊ፣ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዘለው ማሕለኻታት፣ ህልዉ ኩነታት ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ፣ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝን ተሓታትነትን ዘለው ብድሆታትን ካብቶም ብቱኽረት ዝተዘተየሎም ጉዳያት ከም ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ገፅ ትዊተሮም ገሊፆም።