ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ደሕንነት ህፃናት ዩኒሴፍ ሽማ ሰን ሁፕታ ኣብ ጉዳይ ደሕንነት ህፃናትን ኣዴታትን ትግራይ ዘትዮምⵆ
ፕሬዝደንት ጌታቸውን ብሰንኪ እቲ ፅንተታዊ ኲናት ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣዴታትን ገዚፍ ኣካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት ዝብፀሐ እንትኾን እቲ ፀገም ሐዚ እውን እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፆምⵆ
ብፍላይ ኣብ ማእኸላት መዕቆቢ ዝርከቡ ህፃናት ብዙሕ ሓገዝን ሕውየትን ከምዘድልዮም ዝገለፁ ፕረዚደንት ጌታቸው ፤ ምስ ትምህርትን ጥዕናን ተኣሳሲሩ ዩኒሴፍ ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ክቅፅል ሓቲቶም።



ኣብ ሕውየት ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ክትትል ጥዕናን ቁጠባዊ ሓገዝን ከምዘድልየንን ኣብዚ መዳይ ሓገዝ ዩኒሴፍ ኣገዳሲ ምዃኑን ተዛሪቦም ⵆ
ዳይሬክተር ዓለምለኸ ሓለዋ ህፃናት ዩኒሴፍ ሽማ ሰን ጉፕታ ህፃናት ብፍላይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለዎን ወድዓዊ ፀገማት ንምንጋፍ ትካለን ዝኸኣሎ ከምዝሕግዝ ገሊፀን።
እተን ዳይሬክተር ምስ ጉጅለኣን ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ሽረ፣ኣኽሱምን ዓድዋን ኣብ ዝርከባ ማእኸላት መዕቆቢ ዑደት ከምዝገበራ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።