Home ዓለምለኻዊ ዜና ዘተ ፕሬዝደንት ጌታቸውን ዳይሬክተር ዓለምለኸ ሓለዋ ህፃናትን ዩኒሴፍ

ዘተ ፕሬዝደንት ጌታቸውን ዳይሬክተር ዓለምለኸ ሓለዋ ህፃናትን ዩኒሴፍ

94

ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ዓለምለኸ ደሕንነት ህፃናት ዩኒሴፍ ሽማ ሰን ሁፕታ ኣብ ጉዳይ ደሕንነት ህፃናትን ኣዴታትን ትግራይ ዘትዮምⵆ

ፕሬዝደንት ጌታቸውን ብሰንኪ እቲ ፅንተታዊ ኲናት ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣዴታትን ገዚፍ ኣካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት ዝብፀሐ እንትኾን እቲ ፀገም ሐዚ እውን እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፆምⵆ

ብፍላይ ኣብ ማእኸላት መዕቆቢ ዝርከቡ ህፃናት ብዙሕ ሓገዝን ሕውየትን ከምዘድልዮም ዝገለፁ ፕረዚደንት ጌታቸው ፤ ምስ ትምህርትን ጥዕናን ተኣሳሲሩ ዩኒሴፍ ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ክቅፅል ሓቲቶም።

ኣብ ሕውየት ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ኣይተ ጌታቸው ክትትል ጥዕናን ቁጠባዊ ሓገዝን ከምዘድልየንን ኣብዚ መዳይ ሓገዝ ዩኒሴፍ ኣገዳሲ ምዃኑን ተዛሪቦም ⵆ

ዳይሬክተር ዓለምለኸ ሓለዋ ህፃናት ዩኒሴፍ ሽማ ሰን ጉፕታ ህፃናት ብፍላይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለዎን ወድዓዊ ፀገማት ንምንጋፍ ትካለን ዝኸኣሎ ከምዝሕግዝ ገሊፀን።

እተን ዳይሬክተር ምስ ጉጅለኣን ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ሽረ፣ኣኽሱምን ዓድዋን ኣብ ዝርከባ ማእኸላት መዕቆቢ ዑደት ከምዝገበራ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

#ብጥዑማይ_ገዛኢ