Home ዜና ዜና ዓወት – 21 መስከረም 2015 ዓ/ም

ዜና ዓወት – 21 መስከረም 2015 ዓ/ም

929

ንዝሓለፉ 39 መዓልታት ብኹሉ ግምባራት ብዘይምቁራፅ ሓይልታት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ፋሽስት መንግስቲ ኤርትራን ኩሉ ዓቕምታቶም ኣዋፊሮም ማእለያ ዘይብሉ ስሩዕን ዘይስሩዕን ሓይሊ ኣኽቲቶም ዝጀመርዎ መጠነ ሰፊሕ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብራስን ምፅናትን ወፍሪ ወራር ሓየት ሰራዊትና ሕዚ እውን ብፅንዓት ይምክቶ ኣሎ።
ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ኣብ ዝኣተናዮ ኩናት ህዝብን መንግስትን ትግራይ መሬት ዓፋር ማእኸል ውግእ ከይኸውን ዝለዓለ ጥንቃቐ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን በደምን ህይወትን ህዝብታት ህይወቱን ስልጣኑን ዘናውሕ ዘሎ ባዕዳዊ ወራሪ ስርዓት ኢሳያስ ብኣንፈት በራሕለ ኣቢሉ መቐለ ንምእታው ዓሊሙ ብዝኸፈቶ ወራር መሬት ዓፋር ማእኸል ውግእ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ።
ነዚ ብኣንፈት በራሐለ ገይሩ መቐለ ንምእታው ዝተንቀሳቐሰ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ልዕሊ ሓሙሽተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት ምስ ሙሉእ ናይ መካናይዝድ ዓቕሙ ንዝገበሮ ወፍሪ ወራር ብሓየት ሰራዊትና ተወቒዑ ሙሉእ ንሙሉእ ተደምሲሱ ኣሎ።
ኣብዚ ግንባር ዝነበረ ሓይሊ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት፣ ብርጌድን ቦጠለንን ሓዊሱ ምውት፣ ቁስልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ማእኸላይን ፎከስትን ብረታት፣ ዕጥቅን ተተኳስን ከምኡ እውን መራኸቢ ሬድዮታትን ብጅግና ሰራዊትና ተመንዚዑ ኣሎ።
ፀላኢ ብግንባር ዓዲ-ዓርቃይ ፀለምቲ ተቖፃፂሩ ናብ ሽረ ንምእታው ክገብሮ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊትና ድሕሪ ምፍሻል ብፀረ መጥቃዕቲ ኣቢሉ ኣብኡ ዝነበረ ሓይሊ ፀላኢ ደምሲሱ ዓዲ-ዓርቃይን ከባቢኡን ዝተቆፃፀረ ሰራዊትና ንግዚኡ ኣብ ዓዲ ኣርቃይን ከባቢኡን ዓሪዱ ኣሎ።
ኣብዚ ግምባር፣ ፀላኢ ልዕሊ ትሽዓተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ መከናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣህመድ፣ ከምኡ እውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመት ናይ ኣምሓራ ፉሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ዝተሳተፉ እንትኾኑ ዝበዝሕ ሓይሎም ምውት፣ ቁሱልን ምሩኽን ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ንድሕሪት ሃዲሙ ኣሎ።
ብኣንፈት ፀሊሞይ ተከዘ ሰጊሩ ሽረ ንምእታው ንኻልኣይ ግዜ ወፊሩ ዝነበረ 18 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ክልተ መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ቦጠሎኒ ኮማንዶ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀር ፉሉይ ሓይሊ፣ ፋኖን ሚልሻን ኣምሓራ ዝተሳተፍሉ ኮይኑ ዝዓቢ ሓይሉ ተወቒዑ ዝተረፈ ድማ ናብ ዝመፀሉ ተመሊሱ ኣሎ።
ብግንባር ደቡብ ፀላኢ ክግበሮ ዝፀንሐ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ብመስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊትና ብዝግባእ ይምከት ኣሎ። ኣብዚ ግንባር ብኣንፈት ትኹለሽ፣ በላጎ፣ ጎብዬን ወርቄን 19 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊት፣ ሓደ ክፍለ ሰራዊት ሪፐብሊካን ጋርድ ፣ ሓደ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ፋሽስት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፣ ከምኡ እውን ኣርባዕተ ክፍላተ ሰራዊት ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ብርክት ዝበለ ፋኖን ሚልሻን እናተሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ መስተንክራዊ ጅግንንትን ፅንዓትን መለለይኡ ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና ዘዝመፀ ሓይሊ እናቐሽመደ ታሪካዊ ቅያ ይፍፅም ኣሎ።
ብግንባር ኣድያቦ ካብ ተከዘ ክሳብ መረብ ዝተዘርገሐ ኩለ-መዳያዊ መጥቃዕቲ ልፍንታዊያን ወራር ሕዚ እውን ተጠናኺሩ ቐፂሉ ኣሎ።
ኣብዚ ግንባር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንባዕዳዊ ወራሪ ኣሕሊፉ ዝሃቦም 18 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊትን ክልተ ኮማንድ ክፍላተ ሰራዊትን ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝግመት ፉሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ከምኡ እውን 24 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፣ ሓደ ኮማንዶ ክፍለ ሰራዊትን ክልተ መካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ዕሱብ ሰራዊት ህግዴፍ እናተሳተፍሉ ዘለዉ ሰፊሕ ወፍሪ እዩ። ሓየት ሰራዊትና ኣብዚ ግንባር እውን ህዝብና ንምፅናት ንዝወፈሩ ሓይልታት ብልዑል ፅንዓትን ተጋድሎን ይምክቶም ኣሎ።
ሰራዊት ትግራይ ንዝሓለፉ 39 ተኸታተልቲ መዓልትታት ቐትርን ለይትን ብዘይዕረፍቲ ብዝገብሮ ዘሎ መስተንክራዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ ወረርቲ ከቢድ ኪሳራ ኣብፂሑ ኣሎ። ዛጊድ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ልዕሊ 93 ሺሕ ሓይሊ ፀላእቲ ምውትን ቁስልን እንትኾን ልዕሊ 10 ሺሕ ድማ ተማሪኹ ኣሎ። ብርክት ዝበለ ከቢድ ብረት፣ ሰለስተ ቲ-72 ታንክታት፣ ብኣሽሓት ዝግመት ማእኸላይን ፎኮስትን ብረት፣ ብርክት ዝበለ መራኸቢ ሬድዮ፣ ብርክት ዝበለ ዕጥቅን ተተኳስን ተመንዚዑ ኣሎ። 16 ታንክታት ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ኣፅዋር ፀላኢ ድማ ብጅግና ሰራዊትና ዓንዩ ኣሎ።
ኣብዚ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ኩሉ ክኢልካ ለይትን ቐትርን ብዘይዕረፍቲ “ድፋዕ ህልውናና ኣየስበርን ኢልካ” ብመስተንክር ፅንዓትን ጅግንነትን ፉሉይ ቅያን ታሪኽን እትሰርሕ ንዘለኻ ጅግና ሰራዊትና ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝለዓለ ኣኽብሮቱን ናእድኡን እናገለፀ ዝጀመርካዮ ፅኑዕ መኸተ ኣጠናኺርካ ቐፅል፣ ዓወትካ ድማ ብዘይጥርጥር ክግሃድ እዩ።
ኩሉ ዝክኣለካን እዚ ጎዲሉካ ዘይትብሃልን ሓላል ህዝብና ክሳብ ሕዚ ብዝገበርካዮ ኩለመዳያዊ ናይ ህልውና ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ሰፍ ዘይብል ክሳራ ክስከሙ ትገብሮም ኣለኻ። ነዚ ክሳብ ሕዚ እናካየድካዮ ዝመፃእኻ ቃልሲ ድማ ወታደራዊ ኮማንድ ስውራዊት ትግራይ መዘና ዘይብሉ ክብሪ ከምዘለዎ ክገልፀልካ ይፈቱ። ይኹን እምበር እዞም ደመኛ ፀላእትና ኣብ ገፅ መሬት ክሳብ ዝሃለዉ ንዓኻ መሊኦም ካብ ምጥፋእ ንድሕሪት ስለዘይብሉ ሕዚ እውን ቃልስኻ ዝያዳ ክተሐይልን ርብርባትካ ብዝበለፀ ንክተጠናኽርን ይግባእ።
ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!ትግራይ ትስዕር!!ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ21 መስከረም 2015 ዓ.ምመቐለ