Home ዜና ዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ

ዝርገሐ ዝናብ ኣብ ትግራይ

876

ክሳብ ሕዚ ዝናብ ዘይረኸባ ገለ ከባቢታት ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ክረኽባ ከምዝክእላ ማእኸል ግልጋሎት ሜትሮሎጂ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ክሳብ ሕዚ ዘሎን ንቐፃሊ ክህሉ ተባሂሉ ዝግመትን መጠን ዝናብ ልሙድ ወይድማ ስሩዕ ዓይነት ዝናብ ከምዝኾነ ኣብ ማእኸል ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ትግራይ ጉጅለ መራሒ ኣይተ ዳርጌ ፍቓዱ ሓቢሮም። እቶም በዓል ሞያ ከምዝበልዎ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ልሙድ ዝናብ ዘሎን ዝህሉን ዋላ እኳ እንተኾነ  ኣብ ዝተወሰነ ባህሪ ቆላ ዘለዎም ከባቢታት ትግራይ ሕፅረት ዝናብ፣ ኣብ ገለ በረኽቲ ክፋላት ትግራይ ድማ ልዕሊ ዓቐን ዝናብ ከምዘሎን ክህሉ ከምዝኽእልን ሓቢሮም።

ሕፅረት ዝናብ ኣብ ዝህልዎም ከባቢታት ትግራይ ምስ ሰብ ሞያ እናተላዘብካ ጠሊ ናይ ምዕቃብን ቀልጢፎም ዝባፅሑ ዝራእቲ ናይ ምዝራእን ስራሕቲ ክስራሕ ከምዘለዎ ዝምዕዱ እቶም በዓል ሞያ ትንበያ ከባቢ ኣየር፣ ኣብቶም ልዕሊ ዓቐን ዝናብ ዝረኽቡ ቦታታት ድማ ናይ ምንፅፋፍን ጠሊ ክፃወሩ ዝኽእሉ ዝራእቲ ናይ ምዝራእን ስራሕቲ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም። ሓደጋታት  ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን ከጋጥመለን ዝኽእል ኮነ ዝለዓለ ጀቕጀቕ ዝህልወን ተባሂለን ብቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን  ዝተፀንዓ ከባቢታት ከምዘለዋ ዝሓበሩ ኣይተ ዳርጌ፣ ኣብተን ከባቢታት ብዝተዋደደ መልክዑ ጥንቃቐ ክግበር እዉን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ  ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፣ ማእኸላይን ደቡብን ትግራይ ኣጀማምራ ዝናብ ስሩዕን ዝተገመተን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ዳርጌ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ግን ድሒሩ ምጅማር ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳብ ሕዚ ዝናብ ዘይረኸቡ ከባቢታት ከምዘለዉን ኣብዚ ሰሙን እዚ ክረኽቡ እዮም ተባሂሉ ከምዝግመትን ኣብሪሆም።

ኣብ መዋስንቲ ዓፋር ዝርከብ ከባቢታት ትግራይ ዝናብ ቀልጢፉ ከቋርፅ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝግመት እንትኸዉን ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ግን ስሩዕን ፅቡቕን ኣወፃፅኣ ዝናብ ክራማት ከምዝህሉ እዉን እቶም በዓል ሞያ ትንበያ ከባቢ ኣየር ኣፍሊጦም።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ