ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዑደት እናካየደ ዝርከብ ጉጅለ ልኡኽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምስ ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሰዒቡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ነበርትን ሰብ ሃፍትን ተጋሩ ብመንነቶም ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ መሬቶምን ንብረቶምን ዝተወሰዶም ምህላዎም ምክትል ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ኤልያስ ካሕሳይ ገሊፆም፡፡ ብመንነቶም ጥራሕ መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ተጋሩ ነበርትን ሰብሃፍትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምህላዎም ዝሓበሩ ኣይተ ኤልያስ ንኣብነት ብዘይኣግባብ መሬትና ተመንጢልና፣ ገዛ ዝሃነፅናሉ መረጋገፂ ፋይል እናሃለወና ተሓዲግና ነዚ ንምምላስ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ እናተመላለሰና ንጠበቓ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚልየን ብር ንኸፍል ኣለና ዝብል መረረት ካብቶም ወገናት ምቕራቡ ኣይተ ኤልያስ ሓቢሮም፡፡
ብዘይኣግባብ ዝተትሓዘ መሬት ይኹን ንብረት እንተሃልዩ ብሕጊ ኣገባብ ክዳነን ክፍታሕን ልክዕ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኤልያስ ዝተርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዛጊድ ዝገበሮ ምንቅስቃስ ብምንኣድ ሐዚ እውን ዘይተፈትሑ ፀገማት ንምፍታሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጠመተ ሂቡ ከም ዝሰርሕ እምነትና እዩ ኢሎም፡፡
ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምላሽ ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥላሁን ወርቁ ቅድሚ ሐዚ ፀገም ፀጥታ ኣሎ ተባሂሉ ዝተትሓዙን ዝተኣገዱን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝመርሕኦ ጉጅለ ተጣይሹ መፍትሒ ክወሃብ ምፅንሑ ብምሕባር ምናልባት ዛጊድ ከይፈለጥናዬ ዝፀንሐ እንተሃልዩ ግን ተኸታቲልና መፍትሒ ክንገብረሉ ኢና ኢሎም፡፡
ምናልባት ፀገማት እናሃለዎም ናይ ብሄር መልክዕ ከትሕዙ ዝደልዩ ብሓባር ክንቃለሶም ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ጥላሁን ግን ድማ ብመንነቶም ተጋሩ ብምኳኖም ጥራሕ ፀገም በፂሒዎም ዛጊድ ፍታሕ ዘይረኸቡ ነበርቲ ይኹኑ ሰብሃፍቲ ተጋሩ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንተሃልዬም ግን ብፋሉይ ቀዳምነት ሂብና ኣብ ቤት ፅሕፍትና ንምትእንጋድን ዘለው ፀገማት ንምትዕርራይን ድልዋት ኢና ኢሎም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥላሁን ወርቁ ፡፡
#ክብሮም ተስፋይ ካብ ኣዲስ ኣበባ