Home ማሕበራዊ ዝተዋደደ ልምዓት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ

ዝተዋደደ ልምዓት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ

1249


ሰራዊት
ትግራይ ብፋሽስታዉያን ፀላእቲ ዝባደመ መሬትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንምምላስን ንምዕቃብን ምስ ህዝቢ ዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን የሳልጥ ከምዘሎ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ሰራዊት ገሊፆም፡፡ነበርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ብወገኖም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘርእዮ ዘሎ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ውግንንኡ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ኢዱ ፀላእቱ እናመከተ ብሓደ ኢዱ ድማ ምስ ህዝቡ ብምዃን ዝባደመ መሬትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳግም ንምሕዋይ ብዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ሕጉሳት ከምዝኮኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝርእዮም ዘሎ ፍቕርን ሓልዮትን ንህዝቦም ብሙሉእ ዓቕሞም ክሰርሑ ከምዘለዓዓሎም ድማ ገሊፆም፡፡

ነበርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ብወኖም ብስንኪ ፀላኢ ተቛሪፁ ዝነበረ ስራሕቲ ልምዓት ሳላ ጀግና ሰራዊት ትግራይ ናብ ልምዓት ምምላሶም ዝለዓለ ክብሪ ከምዝተሰምዖምን ንሰራዊት ትግራይ ዘለዎም ምስጋና ዝለዓለ ከምዝኾነን ሓቢሮም፡፡ ብኣሸናፊ ዳርጌ