Home ማሕበራዊ ዝተዋደደ ልምዓት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ

ዝተዋደደ ልምዓት ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ

1000
0


ሰራዊት
ትግራይ ብፋሽስታዉያን ፀላእቲ ዝባደመ መሬትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ንምምላስን ንምዕቃብን ምስ ህዝቢ ዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን የሳልጥ ከምዘሎ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ሰራዊት ገሊፆም፡፡ነበርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ብወገኖም ሰራዊት ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘርእዮ ዘሎ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ውግንንኡ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ሰራዊት ትግራይ ብሓደ ኢዱ ፀላእቱ እናመከተ ብሓደ ኢዱ ድማ ምስ ህዝቡ ብምዃን ዝባደመ መሬትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዳግም ንምሕዋይ ብዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ሕጉሳት ከምዝኮኑ ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ትግራይ ተዛሪቦም፡፡ እቶም ኣባላት ሰራዊት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝርእዮም ዘሎ ፍቕርን ሓልዮትን ንህዝቦም ብሙሉእ ዓቕሞም ክሰርሑ ከምዘለዓዓሎም ድማ ገሊፆም፡፡

ነበርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ብወኖም ብስንኪ ፀላኢ ተቛሪፁ ዝነበረ ስራሕቲ ልምዓት ሳላ ጀግና ሰራዊት ትግራይ ናብ ልምዓት ምምላሶም ዝለዓለ ክብሪ ከምዝተሰምዖምን ንሰራዊት ትግራይ ዘለዎም ምስጋና ዝለዓለ ከምዝኾነን ሓቢሮም፡፡ ብኣሸናፊ ዳርጌ

Previous articleሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ ብቕልጡፍ ክወፅእ ሽዱሽተ ነባራት ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ፀዊዖም፡፡
Next articleኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ህዝቢ ዓለም ብዝግባእ ከይፈለጦ ከምዝፀንሐ ላዕለዎት ሰብ ሞያ መፅናዕቲ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ሂይማን ራይትስ ዎችን ሓቢሮም፡፡