Home ዜና ዝኽሪ 3ይ ዓመት ጨፍጫፍ  ማርያም ደንገላት

ዝኽሪ 3ይ ዓመት ጨፍጫፍ  ማርያም ደንገላት

811

21 ሕዳር  ኣብታ ታሪኻዊትን ኣብ መዳይ ምህንድስና ጥንታዊ ስልጣነ ትግራይ እንታይ ከም ዝመስል ማህተም ዝዓረፈላ  ቤተክርስታያን  ማርያም ደንገላት በቢ ዓመቱ ዝኽበር ሃይማኖታዊ ክብረ በዓል ኣሎ ፡ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን

21 ሕዳር 2013 ዓም  ግን ህዝቢ እቲ ከባቢ በቢዓመቱ ዘኽብሮ ዝነበሮ ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ከም ቀደሙ ከኽብር ኣይተዓደለን ስራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ነበርትን ኣመንትን ብዘካየዶ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ።

 እቶም ብኣራዊት  ሰራዊት ኤርትራ ዝተጨፍጨፉ ሰላማዊያን ሰባትን ኣገልገልቲ እቲ ገዳምን ከም ንቡር ኳ ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ኣይካኣሉን እዚ ድማ  ፀግዒ ጭካነ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ብግብሪ ዝተረኣየሉ ኔሩ ።

22 ሕዳር 2013 ዓም ኣብ ማሪያም ደንገላት ኣርባዕተ  ደቆም ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ብኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተጨፍጨፉ ብዝተሰበረ ልቢ ዝዛረቡ  ነባራይ ወረዳ ስቡሓ ሳዕሲዕ ቁሸት ደንገላት ሊቀ ትጉሃን -ኣብርሃ ገብሩ   እዞም ወላዲ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ግድያት ፍትሒ የናድዩ ኣለው ነቲ ዝነበረ ኣስካሕኻሒ ጨፍጫፍ ብምዝካር::

ባዓል ገዝአንን ክልተ ደቀንን ኣብቲ እዋን ብኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ብዘስካሕኽሕ  ኩነታታ ከም ዝተቐተሉ ዝዛረባ ነባሪት ወረዳ ሰቡሓ ሳዕስዕ ጣብያ በለሶ ቁሸት ደንገላት ወሮ ብርሃን ደስታ እየን ። እዘን ወላዲት ዉን ክሳብ ሐዚ ፍትሒ ብዘይምርካበን እቲ ኩነታት ዝኸፈአ ገይሩዎ ኣሎ ይብላ።

ኣሰር ጨፍጫፍ ናይዞም ሰለማዊያን ሰባት ዉን ክሳብ ሐዚ  ፍትሒ ንኽረኽቡ ኣፉ ኣውፂኦም ይዛረቡ ኣለው ስድራ ግዳያትን ነበርቲ እዚ ከባቢ  ከምኡ እውን ኩሉ ትግራዋይ   እዞም ወገናት ፍትሒ ዝረኽብሉ ቁርፂ መዓልቲ መዓዝ ይኸዉን ዝብል ሕቶ ኾይኑ ይቅፅል ኣሎ::

መንእሰይ ሙሉ ፍፁም ነባራይ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ እዩ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ 154 ንፁሃት ሰባት  ካብ ዓብይ ክሳብ ዝነኣሰ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት  ክሳብ መዘምራንን ጭካነ ዝተመልኦ ጨፍጫፍ እንትካየድ ብዓይኑ ዝረኣየን ኣይትጥፍኢ ዝበላ ሂወቱ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተቐተሉ ከም ዕድል ዝተረፈ ዉፃእ መዓት ዩ ፡፡መን ይዛረብ ዝነበረ መን የርድእ ዝቐበረ ዩ ሞ ጨፍጫፍ ማሪያም ደንገላት ዝገልፅሉ ኣንደበት ኣለዎ ::

 እዚ ኣብ ልዕሊ  ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ከይርሳዕን ከይድገምን ዝኽእል ተሓታትነትን ፍትሕን እንትረጋገፅ ዩ ሞ ህዝቢ ትግራይ  ተሓታትነትን ፍትሕን ክረክብ ንስድራ ግዳያት ሓዊሱ  ሓላፍነት ኩሉ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዓለምን ምዃኑ  ምስክርነት ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ኣብዚ ቦታ ገበን ጀኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ዓለም ለኸ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሚዲያታት ዓለምን ገሊፆም እዮም፡፡

ብሃፍታይ ባህረ