Home ዜና ”…ዝጀመርናዮም መሪሕነት ናይ ምትዕርራይ ቃልሲ ሓድነትና ብዘጠናኽርን ሓይሊ ብዘይብትንን መንገዲ ክፍፀም እዩ...

”…ዝጀመርናዮም መሪሕነት ናይ ምትዕርራይ ቃልሲ ሓድነትና ብዘጠናኽርን ሓይሊ ብዘይብትንን መንገዲ ክፍፀም እዩ ”- ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ

308

ኣብ መሪሕነትና ዝትርኣየ ውድቀት ንምእራምን ህዝብና ዝገጠሞ ናይ ህልውና ፈተነ ብዘተኣማምን መንገዲ ንምእላይ ዝጀመርናዮም መሪሕነት ናይ ምትዕርራይ ቃልሲ ሓድነትና ብዘጠናኽርን ሓይሊ ብዘይብትንን መንገዲ ክፍፀም እዩ ክብሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ  ኣተሓሳስቦም፡፡

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብዚ አዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ናይ ህልውና ፈተነ ዝኣተወሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎን እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነትውን ሽግራቱ ፈቲሑ ቀፃሊ ተስፋን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ነፂሩ ካብቲ  ኣትናሉ ዘለና ናይ ፀገም ማሕሙቕ ንምውፃእ ዘለዎ  ዓቕሚ ኣብ ፈተነ ኣብ ዝኣተወሉ ኩነታት ስለዘና  ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ካበዚ ፈተነ ክንወፅእ ጠንኪርና ክሰርሕ ኣለና ክብሉ ኣተሓሳስቦም፡፡



ህዝቢ ትግራይ ዋላ ኣብ ፅንኩር ኩነታትውን እንተኾነ  ኣብ መሰረታዊ ብሄራዊ መሰላቱ እንተዓሲሉ ሓዲነቱን ውዳብኡን እተድአ አጠናኺሩ ኹሉ ሽግራቱ ኣብምፍታሕ ክሳብ  ዝተሓጋገዘ ንዝኾነ ይኹን ፈተነ ዘይምብርከኽ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘርአየ ጅግና ህዝቢ ስለዝኾን ፣ ሐዚውን ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ካብቲ ዘለናሉ ፀገም ከምዝወፅእ እምነቶም ገሊፆም፡፡

ኣብ መሪሕነትና ዝትርኣየ ውድቀት ንምእራምን ህዝብና ዝገጠሞ ናይ ህልውና ፈተነ ብዘተኣማምን መንገዲ ንምእላይ ዝጀመርናዮም መሪሕነት ናይ ምትዕርራይ ቃልሲ ሓድነትና ብዘጠናኽር ሓይሊ ብዘይብትን መንገዲ ቐልጥፍና ብምውጋድ ሙሉእ ኣቓሊቦና ኩለመዳያዊ ፀገማት ናይ ህዝብና ናብ ምፍታሕን  መሰረታዊ ብሄራዊ ረብሓ ብሄርና ኣብ ምርግጋፅን ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ፕሬዚደንት ጌታቸው፡፡


ኣብ ኣከባብራ በዓል ሕዳር ማሪያም ፅዮን 2016 ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ እዚ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዝርአ ዘሎ ናይ ሰላም ድባብ ዘይተዘረገ ክቕፅል ሐዚውን ኣብ ጥምየትን መከራን ሕሰምን ፎቒዶ ዳሳታትን  ከርተት ዝብል ዘሎ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ሓራ ዘይወፀ ህዝብና ሓራ ወፂኡ መሰል ዓርሰውሳንኡ ብዘመተማልአ መንገዲ ንምርግጋፅ  ዘኽእል መንገዲ ክሳብ ዝመራሕና ቀልጢፈን ካብ ደልሃመት ከም እንወፂእ እምነተይ እዩ ድማ ኢሎም፡፡

ከምግዝያዊ ምምሕዳር ኮነ ከም ህወሓት ናይ ህዛብና ሰላም ብቐፃሊነት ካብ ምዕሟቕን ዝተማልአ መሰል ዓርሰ ውሳነ ማንነትና ካብምርግጋፅን ዝላዕሊ እንሰርሖ ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ አይህልውን ዝበሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው፣ጥምየት ንምክልኻል ብግዱሳት ተጋሩ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብምድጋፍ ካልኦት ብምትእክካብን ቀልጢፍና ካብ ፀገማትና ንክንወፂ  ዘኽእሉና ስራሕቲታት ብዕቱብ ከምዝስራሕውን ኣብሪሆም፡፡

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ነዚ ቅዱስ ህዝብ ዋጋ ዘይህቡ ሰራዊት ልፍንቲ ዘብፀሕዎ ግፍዒ ዝንተዓለም  ኣይርሳዕን ዝበሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው፣እቲ ብፀላእቲ ኣብልዕሊ ህዝቢ ዝተፈፀመ ግፍዒ ይትረፍ ብህይወት እናሃለና 6 ኹርናዕ ትህቲ መሬት ኣትናውን  ዘይንርስዖ ገበን ኢዩ ክብሊ ገሊፆም፡፡

ኣዴታት ኣቦታት ኣሓትን ኣሕዋትን ኣብ መዓልቲ ኣውዳ ኣመቶም ካብ ገገዚኦም እናውፅኡ ረሺነሞም፡  ኣብ ገዛ ኣብ ፅርጊያ ኣብ በረኻ ፎቐድኡ እናሰሓቡ  ኣብ መገዛእ ዓዶም ብኣልማሚት  ቐቲለሞም ዝበሉ  ኣይተ ጌታቸው፣  እዚ ገበንዚ ትግርኛ ዝዛረብ ሰብ ኣብዚ ዓለም ክሳብ ዝሃለዎ ኣብ ውሉድ ወለዶ  እናተዘንተወ  ዝነብር ዘይርሳዕ ታሪኽ ብምኽዋኑ ኣይንርስዖን ጥራሕ ዘይኮነስ  ገበነኛታት ፍርዶም ክሳብ ዝረክቡ ኣይንድቅስን ክብሉውን  ተዛሪቦም፡፡



ሐዚ ናብዚ ተነፃፃሪ ሰላም በፂሕና ህዳር ፅዩን ክነኽብር ምኽኣልና ሓደ ነገር ኾይኑ፣  ሐዚውን ከምብሄር ከምህዝቢ ከምተዛረብቲ  ትግርኛ ኣብ ቅድሜና ዝተገተሩ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ኣለዉና ዝበሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው፣ ፕሪቶሪያ ዘምፅኦም ፀጋታት መሊእና ከይነስተማቕር  ሐዚውን ልዕሊ ሚሊዮን ህዝብና ኣብ ሕሱም ጥምየትን መከራን ኣብ ድንኳን ዳስን  ዝነብረሉ ወይ ዝሞተሉ  ኩነታት ኢና ዘለና ኢሎም፡፡

ብናይ ፀላእት ናይ ፅንተት ወፍሪ ሰንሰን ዝበለ ህዝብና ሐዚውን ሰኣን ሓገዝን ድርቅን ኣደዳ ጥምየትን ስደትን ሞትን ይኾን ኣሎ ዝበሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው፣ ንህልውና ትግራይን ህዝባን መስዋእትነት ኸፊሉ ዓለም ዘስደምም ታሪኽ ዝሰርሐ መንእሰይ ትግራይውን ተስፋ ሓሪምዎ ኣደዳ ሕገወጥ ስደትን ብርሰትን ይኸውን ከምዘሎውን ኣብሪሆም፡

እቶም ፕረዚዳንት ይትረፍ ንባዕሉ ንኻልእ ዝተርፍ ዓቕሚ ዝነበሮ ፃዕራምና ሓርኳትን ህዝብና ኣብዚ እዋንዚ  ብጥምየት ይረግፍ ኣሎ፡ ናይ ፍትሕን ፀጥታ ሽግራትውን ሐዚውን ኣብ ሕማቅ ኩነታት እዩ ዝርከብ ኢሎም፡፡



ብዝተተሓሓዘ መራሕቲ ኦትቶዶክስ ትግራይ ላዕለዎት  ሃለፍቲ መንበረ ሰላማን ናይ ኣሽሓት ዓመት ታሪኽና ህዝቢ ትግራ  ኣብ ዘካየዶም መዋእሉን ኣብ ምዕቃብ ሓድግታትን ዝገበሮ  ዝነበሮ ዝልዓለ ተራ ዘኹርዕ ምኽዋኑ ገሊፆም ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ተመሳሰሊ እምነት ዝኾና ተጋሩ  ህዝቢ ትግራይ ናይ ኩናት ጥፍኣት እንትእወጅ ብፀናፂልን ኸበሮን ኣጂቦም ኣብልዒሌና ካብቶም ዝወፈሩ ናይ ጥፍኣት ባህታዊያን  ፍፁም ብዝተፈለየ ቕንዕናን ፍረሃ እግዛኣብሄርን ሰላምን ሓድነትነ ክትሰብኩ በዚ ኣጋጣሚ ፃዊዒተይ የቕርብ ክብሉ ፕሬዚደንት ጌታቸው  ኣተሓሳስቦም፡፡

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ  ዘሎ ሽግር ከብቅዕ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስ ሓራ ዘይወፀ ህዝቢ መሉእ ሓራ ክወፂእ ንኣሻሓት ዓመታት ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ህዝብታት ኢትዮጵያ መሰል ዓርሰውሳንኦም ክኽበር ልዕሊ ኹሉ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ብግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ዝመሓደረሉ ጎደሎ መስርሕ ወፂኡ ብሙሉእ መስርሕ ናብዝመሓደረሉ ብርኪ ንክበፂሕ ቀዳማይ ካልኣይን ሳልሳይን እማምና እዩ፡፡

ካብዚ ጎናጎኒ ድማ ካብላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ምምሕዳር መሓዊሩ ኣመዓራሪዩ ኣብ ህዝብና ዝርኣዩ ዘለው ናይ ሰላም ፀጥታ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ፀገማትን  ዝርኣዩ ብርክት ዝበሉ ገበናትን ኣብ ምቁፅጻር ኣብይ ትኹረት ሂቡ ክንቀሳቐስ እዩ ኢሎም፡፡

ሐዚ ብዘለናሉ ናይ ግዚያዊ ምምሕዳር ሃዋህው ኣብ ካልኦት ኹርንዓት ዓለም ህዝብና ኣብረብሓን ህልውናን  ትግራይ ምርግጋፅ ኹሉ ዝክኣሎ ከበርክት ዘኽእሎ መደረኻትን ኩለመዳያዊ ምትእትታውን ክንገብር ኢና ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ብፍላይ ድማ ህልውና ትግራይ ክረጋገፅ  መኸተና ክዕወት ዘይሕለን ቓልሲ ዝገበረ ዲያስፖራ ትግራይ ሰኣን ክትትልን ደገፍን መሪሕነትና  ኣእትናዮ ካብዘለና ደንገርገርን ፀልመትመትን ወፂኡ ህላወና ኣብምርግጋፅ ኣብዝግበር ቓልሲ  ብሙሉእ ዓቕሙ ክወፍር ኣብምገባር ዝክኣል ኹሉ ከምዝግበር ተዛሪቦም፡፡