Home ዜና “ዝፀዓርክሉ ፍረ እናራኣኹ ናይ ፅባሕ  ጉዕዞይ ብሩህ እዩ”  ሓረስታይ ትግራይ

“ዝፀዓርክሉ ፍረ እናራኣኹ ናይ ፅባሕ  ጉዕዞይ ብሩህ እዩ”  ሓረስታይ ትግራይ

1229

ሓረስታይ ተስፋኪሮስ ግርማፅዮን ይባሃል። ነባሪ ከተማ መቐለ እዩ። ንብዙሓት እዋናት መእለይ ጓሓፋት ዝነበረ መሬት፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ብያጆ ሓመድ ብምምላእ ክባን ዕፅዋን ከይበገሮ ናብራኡ ይመርሕ ኣሎ።

ሓረስታይ ተስፋኪሮስ ዓርሱ ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ልዕሊ 8 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ን 20 ገባራት ኣለቒሑ።

ዘለናሉ እዋን እዋን ክራማት እዩ። ሓረስታይ ግራቱ ሓሪሱን ኣለሳሊሱን ማእቶቱ ንምድንፋዕ ዝረባረበሉ እዋን ክራማት ሓረስታይ ተስፋኪሮስ ግርማፅዮን  መራሒ ስድራን  ኣቦ 6 ቆልዑን እዩ።

እዚ ሓረስታይ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መእለይ ጓሓፍ ፣ ውሕጅ መውረድን ማይ መዕቖርን ዝነበረ ቦታ ልዕሊ 4 ሽሕ ብያጆ መኪና ሓመድ ብምምላእ ናብ ተሓራሲ መሬት ብምልዋጥ፣ ባህላዊ ዱኽዕን ኮምፖስትን ብምጥቓም ናብራኡ ይመርሕ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣብዚ ሐዚ  እዋን ድማ ብዕፅዋን ክባን ፀላእቲ ከይተሰኾነ፣ ዘበነ ምህርቲ 2014/2015 ዓ/ም ንምድንፋዕ ፣ ግራቱ ካብ ምሕራስን ምልስላስን ብዝሰገረ ዓቒርዎ ዝፀንሐ ምሩፅ ዘርኢ ንካልኦት ሓረስቶት እውን ልዕሊ 8 ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ከም ዘከፋፈለ ኣረዲኡ። ኮይኑ ግና ይብል ሓረስታይ ተስፋኪሮስ ዋላ እኳ ገለገለ ሓረስቶት ዘበናዊ እታወታት ሕርሻ ብምፅባይ ፣ መሬትና ኣሪጉ  እዩ ብዝብል ዕብራ ምኽንያት፣ መሬቶም የባድሙ እንተሃለው ኣነ ግና ባህላዊ ድኽዒን ኮምፖስትን ብምድላው ተረባሒ ይኸውን ኣለኹ ኢሉ።

በዓል ሞያ ኪኢላ ሕርሻ ክ/ከተማ ሓወልቲ መንእሰይ ሃፍቶም ይትባረክ ብወገኑ ሓረስታይ ተስፋኪሮስ ዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኩሉ ሓረስታይ ኣሰሩ ክስዕብ ይግባእ ኢሉ።

                                            መርሃዊ ተስፋይ