Home ዜና ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝኸፈለኦ ክባር ዋጋ ተሳትፎአንን ተረባሕነተን ክረጋገፅ...

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝኸፈለኦ ክባር ዋጋ ተሳትፎአንን ተረባሕነተን ክረጋገፅ ክንሰርሕ ኢና -ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ

2485

ማሕበር እኖታት ንእኖታት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከይዲ ሰላምን ስግግር ፍትሕን ክህልወን ዝግባእ ተሳትፎን ተረባሕነትን ፕሮጀክት ሓንፂፁ ኣብ ምስራሕ እንትኾን ኣብ ተግባራውነቱ ዘተኮነ መድረኽ ኣሳሊጡ።

ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ካቢኔ ሴክሬታርያት ዲሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ትግራይ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፤ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝኸፈለኦ ክባር ዋጋ መሰለን ክሕሎን ኣብ ከይዲ ሰላምን ስግግር ፍትሕን ቀንዲ ተሳተፍትን ተረባሕትን ንክኾና ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕቱብነት ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ መድረኽ “እጃም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከይዲ ሰላምን ስግግር ፍትሕን” ዝብል መፅናዕቲ  ዘቕረቡ ሙሁርን ተንታኒ ፖለቲካን ዶ/ር ሙዑዝ ግደይ ፤  ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ መዋእላትን ሐዚን ዝኸፈለኦ ረዚንን ዋጋ ልክዕ ኣብ ሰላምን ስግግር ፍትሕን ተሳተፍትን ተረባሕትን ከም ዘይኮና ኣረጋጊፆም።

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዘለወን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታትን ባህጊ ሰላምን ዕዙዝ ብምዃኑ ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ሰላምን ስግግር ፍትሕን ቀንዲ ተሳተፍቲ ክኾና ድማ ብዘይወዓል ሕደር ብትኹረት ክስረሐሉ ከምዝግባእ ዶ/ር ሙዑዝ ኣገንዚቦም።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር እኖታት ንእኖታት ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ብወገኖም፤ እቲ መፅናዕቲ ዘላቒ ዝኾነ ሰላም ንክመፅእ ኣብ ደቂኣነስትዮ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ዘመላኸተ ምዃኑን በቲ መፅናዕቲ ዝተረኸበ ምኽረሓሳብ ብምትግባር ኩለ መዳይ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንምውሓስ ፕሮጀክት ቐሪፆም ምስ መድረግቲ ኣካላት ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ