ፋሽስታውያን ፀላእቲ ኣብ ከተማ ማይጨውን ከባቢኣን ኣብ ዘከየዱዎ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከበድቲ አፅዋራትን ድሮንን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያነ ሰባት ሞትን ከቢድ መቕሰልቲን ኣብፂሖም።
እዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ይፍፀም ዘሎ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ብዘላቒነት ክንናገፍ ድማ ቓልስና ከነሕይል ይግባእ ኢሎም ግዳይ እቲ ደብዳብ።
ምኽትል ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨው ዶ/ር ይብራህ ገ/ መድህን ኣብ’ቲ ከባቢ ዘካይዶ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከበድቲ አፅዋራት ድሮንን ግዳይ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ይመፁ ከምዘለዎ ገሊፆም። በሰንኪ ክባን ዕፅዋን ኣጋጢሙ ብዘሎ ሕፅረት መድሓኒትን ግልጋሎት መጉዓዝያን እውን እቲ ፀገም ዝያዳ ይጋደድ ከምዘሎ ዶ/ር ይብራህ ኣረዲኦም።
ድወት


