Home ዜና ደጀንነት ህዝብና ንሰራዊትና

ደጀንነት ህዝብና ንሰራዊትና

1168
0

ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ንውግኣት ሰራዊት ትግራይ  ብምሕብሓብ ደጀንነቶም እናረጋገፁ ይርከቡ:: ናይዚ መቐፀልታ ድማ ካብታ ዘላቶም ነክዮም ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ከምዝርከቡ እቶም ነበርቲ ገሊፆም::

ውጉኣት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብወገኖም ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ዝገብሩሎም ዘለው ምሕብሓብን ድጋፍን ሓበን ከምዝተሰምዖም ብምግላፅ ንነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ዘለዎም ምስጋና ልዑል ምዃኑ ሓቢሮም::

ኣብ መወዳእታ በቲ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ሕጉሳት ከምዝኮኑን ተግባራዊ ኮይኑ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ተስፋ ከምዘለዎምን ክሳብ መወዳእታ ካብ ጎኒ ውጉኣት ሰራዊት ትግራይ ከምዘይፍለዩን ድማ ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ኣረጋጊፆም::

ብምዕራፍ ገ/ፃዲቕ

Previous articleትሕዝቶን ኣተገባብራን ሰነድ ስምምዕነት ዘተ ብዝምልከት፣ መግለፂ ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ሰነድ ስምምዕነት ዘተ፥ ህልውና ትግራይን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን፣ ብዘረጋግፅ ንተግባራዊነቱ ብፅንዓት ንቃለስ!
Next articleስምምዕነት ሰላም ንውድቀት ስርዓት ኢሳያስ