Home ዜና ድሕሪ ኵናት እውን ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገማት ይርከቡ-ቢሮ ጥዕና...

ድሕሪ ኵናት እውን ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ፀገማት ይርከቡ-ቢሮ ጥዕና ትግራይ

236

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ ዩንቨርስቲ መቐለ፤ ምርምር ጥዕና ትግራይን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ብኵናት ኣዝየን ኣብ ዝተሓሰያ 19 ወረዳታት ትግራይ ኣብ ጥዕና አደታትን ህፃናትን ኣመልክቱ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ዕላዊ ተገይሩ፡፡

ድሕሪ ኵናት እውን ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ጥዕና ከምዝርከቡ ዝሓበሩ እቶም መፅናዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ብዝተዋደደ ኣገባብ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዛድሊ ተገሊፆም፡፡

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ ዩንቨርስቲ መቐለ፤ ምርምር ጥዕና ትግራይን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ብኵናት ኣዝየን ኣብ ዝተሃሰያ 19 ወረዳታት ትግራይ ኣብ ጥዕና አደታትን ህፃናትን ኣድሂቡ ዝተዋደደ መፅናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ምስ ዝምልከቶም አካላት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ መደረኽ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ነቲ ኣብ አደታትን ህፃናትን ዝተገበረ መፅናዕቲ ካብ ዘቕረቡ ዶ/ር ሙሴ ኣለማዮን ሓጋዚ ፕሮፌስር መሓመድ ጣሂር ያሕያን እቲ መፅናዕቲ ኣብ 19 ብኵናት ዝተጠቕዓ ወረዳታት ትግራይ ኮይኑ ድሕሪ ኵናት ዝተፀነዐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

በቲ ዝተኻየደ ውፅኢት መፅናዕቲ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዩ ዝርከብ ዝበሉ እቶም ምሁራት ነዚ ንምፍታሕ ድማ ምስ መድረግቲ አካላት ብምውዳድ ግዜ ብዘይ ምሃብ ብትኹረት ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡በቲ ዝተገበረ ጭቡጥ መዕናዕቲ ኣብ ኣዴታትን ህፃናትን ዘሎ ኩለመዳይ ፀገም ጥዕና ንምፍታሕ ሓይሊ ዕማም ብምጥያሽ ብትኹረት ከምዝስራሕ ዝገለፁ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑል ሃይሉ ነዚ ተግበራዊ ንምግባር ድማ ዝተዋደደ ፃዕሪ ይጠልብ ኢሎም፡፡

ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ ትከላትን መድረግቲ ኣከላትን እውን ኣብ ኣዴታትን ህፃናትን ትግራይ ዘሎ ፀገም ጥዕና ንምፍታሕ እጃሞም ክምዝፍፅሙ ገሊፆም፡፡

ብታደለ ዳኘው