Home ዜና ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ጥራሕ ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት 118...

ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ጥራሕ ኣብ ወረዳ ማይቅነጣል ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት 118 ወገናት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ።

602

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ብፍላይ ኣብ ኣቅርቦት መድሓኒት ናውቲ ሕግምናን ምግብን ብዝተማለአ መንገዲ ከምቲ ዝተሓሰበ ኣብ ባይታ ይትግበር ብዘይምህላው ሐዚ እውን ብሚልየናት ዝቁፀሩ ወገናት ብሓለጊ ጥሜት ይግረፉን ሰኣን ኣቅርቦት መድሓኒት ግዳይ ልምሰትን ሞትን ይኾኑ ኣለው፡፡ ከም ናይዚ መርኣያ ነባሪት ወረዳ ማይቅነጣል ዝኾና በዓልቲ ፀጋ ዕድመ ወ/ሮ ለተንችአል ሓጎስ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕሰምን መከራን ንከቢድ ሕማም መንቀርሳ ወይ መንሽሮ ተሳጢሐን ምንም ኣብዘይብላ ገዝአን ሹኽልል ኢለን ክድቅሳ ተገዲደን፡፡

ኣቦይ ታፈረ በላይ እውን ቅድሚ 20 ዓመት ብሰንኪ ሕማም ካንሰር ሓደ እግሮም ተቖሪፆም ክትትል ሕክምና እናገበሩ ዝፀንሑ እንትኾኑ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ግና ዝጥቀምዎ ዝነበሩ መድሓኒት ብምቁራፆም እቲ ሓንቲ እግሮም እውን ከም ዝለመሰት ይዛረቡ። ወ/ሮ ማሚት ኣየለን ወይዘሮ ጉዕሽ ገሰውስን ድማ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝወሰደኦ መድሓኒት ፀረ ኤች ኣይቪ ኤድስ ብሰንኪ ዘጋጠመ ቁሉዕ ወራር ብምቁራፀን ሐዚ እዉን ቀረብ መድሓኒት ክረኽባ ብዘይምኽኣለን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ጥዕና ወዲቐን ከም ዘለዋን ገሊፀን፡፡ እቶም ወገናት ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ስዒቡ ብዝምዕብል ዘሎ ከይዲ ሰላም ፀገማቶም ክፈትሕሎም ተስፋ እኳ እንተነበሮም ኣብ ባይታ ግን ዝበኣሰ ፀገም ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ይዛረቡ። ብዝተማለአ መንገዲ ኣቕርቦት መድሓኒትን ምግብን ናብታ ወረዳ ንከይኣቱ ምስ ዝመልከቶም ኣካላት ቀጥታዊ ርክብ ብዘይምንባሩ ስዒቡ ሕብረተሰብ ንድርብርብ ፀገም ከምዝተቓለዐ ዝገለፁ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ማይቅነጣል ኣይተ ሓጎስ ደስታ ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ 118 ወገናት ከምዝሞቱ ኣብሪሆም፡፡ በቢመዓልቱ ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ዝሓልፍ ሂወት ንምድሓን ዝመልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብህፁፅ ክሕግዙ ድማ እቶም ሓላፊ ፀዊዖም፡፡ #ኢየሩሳሌም ገ/መድህን