Home ዜና ድርቂ ብዘስዓቦ ጥሜት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ዝርኸቡ ነበርቲ ጣብያ ሰንዓለ ህፁፅ ሓገዝ...

ድርቂ ብዘስዓቦ ጥሜት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ዝርኸቡ ነበርቲ ጣብያ ሰንዓለ ህፁፅ ሓገዝ ክግበረሎም ፀዊዖም።

506

ነባሪት ወረዳ 20 ዓዲ ወጀራት ነባሪት ጣብያ ሰንዓለ ዝኾና ወይዘሮ ለምለም በርሀ ኣብ ዘመነ ምህርቲ 2015/2016 ዓ.ም ብዘጋጠመ ድርቂ ዝራእታ ሓሪሩ ብምትራፉ ዝኾነ እቶት ከምዘይረበት ኢያ ትዛረብ።

ዝብላዕ ስኢና እቶም ፀባ ጡባ ኣዲኦም ጠቢቦም ዝዕንገሉ ህፃናት ማናቱ ደቃ እውን ፀባ ሲኢኖምሉ ኣጥዋታ እነትስሕቡ ኣብ ልዕሊ ጥሜታ ዝኸፈአ ስምዒት ከምዝስመዓ ገሊፃ። ብሕሱም ጭንቂ ከይትልምን እውን ኹሉ ከባቢኣ ስለዘይብሉ ዓቕላ ከምዝፀባ እውን ሓቢራትልና።

ኣብ መዋእሎም ከም ናይ ሎሚዓመት ድርቂ ሪኦም ከምዘይፈልጡ ዝገለፁ ካልኦት ነበርቲ እታ ጣብያ ኣይተ ኣማረ ሓዱሽን ኣይተ መሓሪ ሃንስን፤ መማረፂ ሓርቢትዎም ኣብ ዝኸፈአ ጥሜትን ጭንቅን ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

ኣብ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ጣብያ ሰንዓለ በቲ ድርቂ ዘምፀኦ ጥሜት ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ዝገለፁ ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ወልደጅወርግስ ኣምነ ፤ ብሕሱም ጭንቂ ዝፈትዎ ገዝኦም ገዲፎም ናብ ስደት ዝኸዱ እውን ከምዘለው ኣፍሊጦም።

መንግስቲ  ፌደራልን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ገበርቲ ሰናይን ብሓባር ነቲ ዘሎ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜት ተገንዚቦም ህፁፅ ሓገዝ ብምቕራብ ህዝቦም ከድሕኑ ድማ ወይዘሮ ለምለምን እቶም ካልኦት ነበርትን ፀዊዖም።

ኣብታ ወረዳ ብሰንኪ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜትን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምህላውን ሽድሽተ ሰባት ካብዚ ዓለም ከምዝተፈለዩን ሰማንያን ትሻዓተን ሚኢታዊ ህዝቢ ብጥሜት ኣብ ኣፍሞተ ከምዝርከብን ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ዒስራ ዓዲ ወጀራት ወይዘሮ ሃሪፈያ ግደይ ፤ምፍላጠን ውን ዝዝከር እዩ።

#ሳሙኤል ገብረታትዮስ