Home ዜና ጅምላዊ ማእሰርቲ ደቂ ትግራይ

ጅምላዊ ማእሰርቲ ደቂ ትግራይ

1054

—-

ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ብህፁፅ ክፍትሑ ከምዘለዎም ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን #ትግራይ ሓቲቱ፡፡

ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተኣሲሮም ዘለው ደቂ ትግራይ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ሓላፍነቱ ክፍፅም ከምዝግባእ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ሓቲቱ፡፡ እቲ ዓለም ለኸ ማሕበር ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ጥራሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩን ይሞቱን ከምዘለዉ ኣፍሊጡ፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል #ዓፋር ሰመራን ኣብ ትሕቲ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን መሻርኽቶምን ዝርከብ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ብጅምላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተዳጒኑ ከምዘሎን ብግፍዒ ይቕተልን ንዝኸፍአ ሓደጋ ተቓሊዑ ምህላውን እቲ ደብዳበ ኣዘኻኺሩ፡፡  

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ሕዚ እውን ከም ብሓዱሽ ይህደኑን እቶም ተኣሲሮም ዘለው እውን ፍትሒ ስኢኖም ይሳቐዩን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ብምጥቃስ ብፍላይ ድማ ህፃናት፣ ኣዴታትን ሰብ ዕድመ ፀጋን ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓቢሩ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ሓዱሽ ምእሳር ደቂ ትግራይ ጠጠው ንክብልን እቶም ብኢ-ሰብኣዊ ኣገባብ ተኣሲሮም ንነዊሕ እዋን ዝሳቐዩ ዘለውን ብህፁፅ ንክፍትሑ ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ ክወስድ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ፡፡

ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ