Home ዜና ጅግንነት ስውኣትና ደረት ኣልቦ እዩ-ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

ጅግንነት ስውኣትና ደረት ኣልቦ እዩ-ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

550

ጅግንነት ስውኣት ሰራዊት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ  ካብ ሙሉእ ፅንተት ዘድሓነ ብምዃኑ ካብ ሐዘን ወፂእና ዝተሰውእሉ ዕላማ ብምትግባር ክንክሕሶም ይግባእ ክብሉ ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ  ገሊፆም።

ብትሉም ኣገባብ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዘካየዱ ወረርቲ ሓይልታት ተጋዳላይ ትግራይ ብዝፈጸሞ ደረት ኣልቦ ጅግንነትን ብዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ንህዝቢ ትግራይ ካብ ሙሉእ ፅንተት ኣድሒኑዎ ዩ ኢሎም ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰመማ።

ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ካብ ዝነበረ ዘበነ ፅንተት ብዉሱን መልክዑ ወፂእና በቲ ተረኺቡ ዘሎ ዉሱን ኣፋፍኖት ሰላም ስራሕቲ ሕርሻ ክንዉግን ኣኽኢሉና ኣሎ እዉን ይብሉ እቶም ሓርስቶት።

ደቅና ዝተሰውኡ ምእንቲ ትግራይን ህላወ ህዝቢ ትግራይን እዩ ዝበሉ እቶም ሓረስቶት ሕድሮም ዝትግበር ብብኽያትን ሓዘንን ዘይኮነስ ንሶም ዝተሰውእሉ ዕላማ ብልምዓትን ፍትሕን ግብራዊ እንትኸዉን እዩ ይብሉ።

መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ሕሉፍ ዕጥቃዊ ቃልሲ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ስድራ ስዋኣትን  ኣካሎም ዝተጎዱኡ ጀጋኑ ደቂ ህዝብን ዝነበሮ መሰረታዊ ጉድለት ኣተሓሕዛ ክእርሞን ንመስዋእቶምን ጉድኣቶምን ዝምጥን ክኸዉን ከም ዝግባእ ድማ እቶም ሓረስቶት ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ተወዲቡ ዓርሱ ካብ ፅንተት ንምድሓን ብዘካየዶ ቃልሲ ብምዃኑን እዩ ክብሉ እዉን ይገልፁ እቶም ሓረስቶት።

ብጎይተኦም ተኸስተ