Home ዓለምለኻዊ ዜና ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኤ ኤን ሲ ዓብላላይ ድምፂ ክስእን ይኽእል እዩ

ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ኣፍሪካ ኤ ኤን ሲ ዓብላላይ ድምፂ ክስእን ይኽእል እዩ

56

ገዛኢ ውድብ ደቡብ ኣፍሪካ ኤ ኤን ሲ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእሎ ድጋፍ ክስእን ከምዝኽእል ኮምሽን መረፃ ደቡብ ኣፍሪካ ኣፍሊጡ፡፡

50 ሚእታዊ ውፅኢት መረፃ ደቡብ ኣፍሪካ ዕላዊ ዝገበረ እቲ ኮምሽን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ገዛኢ ውድብ ደቡብ ኣፍሪካ ኮይኑ ዝፀንሐ ውድብ ኤ ኤን ሲ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ዝነበሮ ዓብላሊ ድምፂ ከምዝስእን ኣመላኺቱ።ነዚ ውፅኢት ድማ ኣብታ ሃገር ዝረአ ገበን፣ ብልሽውናን ስራሕ ኣልቦነትን ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ እናተገለፀ እዩ።

ሓፈሻዊ ውፅኢት መረፃ እታ ሃገር ኣብ ዝቕፅል ቀዳምን ሰንበትን ዕላዊ ዝግበር እንትኾን ገዛኢ ውድብ ኤኤንሲ ግና ኣብ ፍርቂ ውፅኢት ካብ ዝረኸቦ 42 ሚእታዊ ውፅኢት ዝዘለለ ካልእ ተወሳኺ ድምፂ ከምዘይረክብ እናተገለፀ እዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ውድብ መንግስቲ መስሪቱ ሃገር ንምምራሕ ምስ ካሊእ ውድብ ጥምረት ክፈጥር ዘገድዶ ኩነታት ተፈጢሩ ምህላዉ ተጠቒሱ፡፡

መረፃ ደቡብ ኣፍሪካ 2016 ዓ.ም ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ 6 ብሄራዊ መረፃታት ኣብ ምዝገባ እዋን ዝተሓተ ህዝባዊ ተሳትፎ ከም ዝነበሮን ኣብ ዕለት መረፃ ግን ፅቡቕ ምልዕዓል ከም ዝተርኣየን ዝገለፀ ትካል መፅናዕቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪካ ብግዲኡ፤ ውፅኢቱ ብዘየገድስ ቅቡል ከይዲ መረፃ ከም ዝተዓዘበ ዕላዊ ምግባሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

#ብገብረዝጋብሄር_ሃይሉ