Home ዜና ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ደግማይ ደብዳብ...

ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ደግማይ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ፈፂሞም።

3988
0
ምስሊ ደብዳብ ኣየር ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ 17 መስከረም 2015 ዓ/ም

ጉጅለ ፋሽስቲ ኣብይ ኣሕመድን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ መስከሕካሓይ ዝኾነ ደብዳብ ድሮን ፈፂሞም፡፡

ብዚ ደብዳብ ድሮን ህፃውንቲ፣ ደቂ ኣንሰትዮን ኣረጋውን ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ሞይቶምን ብዙሓት ወገናት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም፡፡

እዞም ልፍንታውያን ወረርቲ ነቲ ዝጀመርዎ ጀኖሳይድ ትግራይ ኣጠናኺሮም ብምቅፃል ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ደብዳብ ነቶም ተመዛበልቲ ካብ መረበቶም ምዝንባሎም ከይኣክል ኣብ ዝተዓቆቡሉ ቦታ እውን ጨፍጫፍ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝጀመርዎ ጀኖሳይድ ይቕፅልሉ ኣለዎ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ከምዘስፈርዎ ‘እዞም ሓይሊታት ጥፍኣት ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለምን ገበርቲ ሰናይ ትካላተን ዝፍፅምዎ ዘለዉ ደብዳባት ድምፂ ንምዃን እኳስ ኣይከኣሉን፡፡ እዚ ድማ ዝሕዝን እዩ ክብሉ ገሊፆም።

Previous articleመግለፂ ቅዋም ጥምረት ማሕበራት ተጋሩ ደያስፖራ ትግራይ /ATAD/
Next articleፋሽስት ጉጅል ኣብይ፣ ሎሚ 24 መስከረም ኣብ ከባቢ ዓዲ ዳዕሮ ብዘካየዶ ድብዳብ ድሮን   ልዕሊ 50 ሰለማውያን ሰባት ሞይቶም