Home ዜና ሰለማዊ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮን ሎሚ 7 መስከረም 2015 ዓ/ም ኣብ...

ሰለማዊ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮን ሎሚ 7 መስከረም 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ

4184

እቲ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ዝተካየደ ኮይኑ እቲ ከባቢ ድማ  ህዝቢ ዝሕከመሉ ሆስፒታል ሃምሊን መቐለ ሓዊሱ  ሰብ ዝዘናገዐሉ ከም ህዝባዊ  መዘናግዒ እንዳራእሲ ዝበሉ ህዝባዊ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ዝበዝሕዎ ኸባቢ እዩ።

ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ እዚ እናፈለጠ እዩ እምበኣር መቀፀልታ እቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ኮነ ኢሉ ዘካይዶ ዘሎ ጨፍጫፍ ብምቅፃል ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መንበሪ ሰላማውያን ሰባት ሎሚ ንጉሆ 7 መስከረም 2015 ዓ/ም ደብዳብ ኣካይዱ ዘሎ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ቅሩባት ኣብ ዝኮንሉ እዋን ጉጅለ ፋሽሽታውያን  ግና ባህጊ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ነፂጎም ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጫፋት ይቅፅልሉ ኣለው።

ጉጅለ ፋሽሽት ብሓፈሻ ሓዱሽ ዓመት 2015 ዓ/ም ካብዝኣቱ ኣብ ከተማ መቐለ ጥራሕ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት 3 መዓልታት ደብዳብ ድሮን ኣካይዱ እዩ።

3 መስከረም 2015 ዓ/ም ህዝቢ ትግራይ ሓበሬታ ከይረክብ ኮነ ኢልካ ንምዕፋን ተሓሲቡ ኣብ ህዝባዊ ሚድያ ድምፂ ወያነ ደብዳብ ተካይዱ እዩ።

ቀፂሉ ድማ መስከረም 4 ኣብ በንበሪ ገዛውቲ ብዝተካየደ ደብዳብ ድሮን ክሳብ ሐዚ ቁፅሪ መወቲ ሰላማውያን ሰባት 12 ዝበፅሐ እንትኾን ብዙሓት ድማ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎም እዩ።