Home ዜና “ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ንሰላም ቅሩብ ንምዃን ተበግሶ ኣለኒ ምባሉ መንግስቲ ትግራይ ብኣወንታ...

“ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ንሰላም ቅሩብ ንምዃን ተበግሶ ኣለኒ ምባሉ መንግስቲ ትግራይ ብኣወንታ ይቕበሎ።”ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ ትግራይ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ

973

ጉዳይ ዘተ ሰላም

—–

ይኹን እንበር እቲ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብሓቂ ንዘተ ሰላም ቅሩብ እንድሕር ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ዝሕምስዎን ሰላም ዘይደልዩን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊ ኣምሓራን ከምኡውን ውልቀ መላኺ ኢሳያሰ ኣደብ ከትሕዞም ኣለዎ ኢሎም ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ኩሉ ግዜ ንሰላም ድልዊ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ይን እንበር እዚ እንተዘይኾይኑ ግን ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምርጋፅ ንድሕሪት ኣይንብልን ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ሱዳን ብመሪሕነት ወያነ እዩ ጎንፂ ከፊቱ ኢሉ ዝሃቦ መግለፂ ዝፀነሐ ልሙድ ምድንጋር እቲ ጉጅለ ምኳኑ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ሱዳን ናተይ ዝብሎ መሬት ብሕጋዊ መንገዲ ከምልስ መሰል ከምዘለዎ  ንኣምን ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ሱዳን ናተይ ዝብል መሬት ንምምላስ ድማ ድጋፍ ህወሓት ኣየድልዮን ኢሎም፡፡

ብክብሮም ተስፋይ