Home ዜና ግራንት ፋውንዴሽን ኣሰመላሽ ብ3 ሚኢቲ ሽሕ ዶላር ዝተዓደጉ ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና...

ግራንት ፋውንዴሽን ኣሰመላሽ ብ3 ሚኢቲ ሽሕ ዶላር ዝተዓደጉ ናውቲ ሕክምና ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣረኪቡ፡፡

198

እቲ 24 መጋቢት 2016 ዓ.ም ብግራንት ፋውንዴሽን ኣሰመላሽን ሜዲካል ብሪጅ ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ትካልን ዝተወሃበ ዝተፈላለየ ናውቲ ሕክምና ናብ 18 ትካላት ጥዕና ከምዝከፋፈል ዝሓበሩ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶር.ኣማኑኤል ሃይለ፤ ብጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነወን ዝተጓሓለን ዘፈር ጥዕና ትግራይ ንምሕዋይ ሓገዝቲ ዝገበርዎ ሓገዝ ብዙሓት ፀገማት ስለዝፈትሕ ኣመስጊኖም።

እቲ ኵናት ምስ ኣጋጠመ ካብ መረበቶም ብወረርቲ ሓይልታት ተሰዲዶም ኣብ ሱዳን ንዘለው ደቂ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ዝኸኣለኦ ይሕግዛ ከምዘለዋ ዝሓበራ ነቲ ሓገዝ ዘረከባ ወናኒት እቲ ትካል ወይዘሮ ሱዛን ኣስመላሽ፤ ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ካብ ወፃኢ ኣምፂእን ዘረከበኦ ናውቲ ሕክምና ንህዝበን ግቡአን ምውፃእ ምዃኑ ሓቢረን። ኹሉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ እንድሕር ተሓባቢሩ ዘይፍታሕ ፀገም ስለዘየለ ኣብ ከቢድ ፀገም ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ኹሉ በቢዝኸኣሎ ብሓገዙ ከሰጋግሮ ይግባእ ኢለን።

ኣብቲ ርኽክብ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ንጉዳይ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ወኪሎም ዝተረኸቡ ኣባ ጥዕም በርሀ ብወገኖም፤ እቲ ሓገዝ ሰኣን መሳርሒ ንህዝቦም ክሕክሙ ብዘይምኽኣሎም ተስፋ ዝቖርፁ ሰብ ጥዕና ካብቲ ፀገም ንክወፁ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ዝኸኣለ ኹሉ ኣሰር ወይዘሮ ሱዛን ስዒቡ ህዝቡ ከድሕን ውን ፀዊዖም።

ኣብ ከቢድ ኹለመዳያዊ ቕልውላው ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብምግቢ፣መድሓኒትን ናውትን ኣብ ምሕጋዝ ዝተዋደደ ርብርብ ኩሉ ትግራዋይ ከምዝጠልብ ድማ እቶም ሓገዝትን ተረከብቲ እቲ ሓገዝን ኣተሓሳሲቦም።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ