Home ዜና ግብፅን ሶማልያን ንኢትዮጵያ ኮኒነን

ግብፅን ሶማልያን ንኢትዮጵያ ኮኒነን

948

ግብፅን ሶማልያን ንኢትዮጵያ ኮኒነን

—-

#ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ፈለግ ኒል ኣባይ ትኽተሎ ንዘላ ሓንካሪ ተግባራት ግብፅን ሶማልያን ኮኒነን፡፡

ብመሰረት ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት #ግብፂ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ካይሮ  ዑደት ስራሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ዝተዛተዩ ሓድሽ ተመራፂ ፕረዚደንት ሃገረ #ሶማልያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ብፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ እትግዛእ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ዓለም ለኻዊ ፕሮጀክት ወሓዚታት ተማኺራን ተሓባቢራን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ኣብ ንጥፈታት ስራሕቲ ግድብ ህዳሴ  እትወስዶ ዘላ በይናኣዊ ስጉምቲ ኣትሪሮም ከምዘኾነንዎ ማዕኸን ዜና መና ኣቃሊሑ፡፡

ኢትዮጵያ ንሃገራት #ግብፅን #ሱዳንን እንከየፍለጠት ወሲዳቶ ዝበሃል ዘሎ ስጉምቲ ድማ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ እዩ፡፡

እንሆ እታ ኣባል ሃገራት ተፋሰስ ናይል ዘይኮነትን ብወሓዛይ ጁባን ሸቤሌን ምስ ኢትዮጵያ እትመራቃሕን ሶማልያ ድማ ድሕሪ ንመሓመድ ፋርማጆ  ካብ ስልጣን ምውጋዳ ንፈለማ እዋን ኣብ ጎኒ ግብፂ ተሰሊፋ ኣብ ጉዳይ ህንፀት ግድብ ኣባይ ተቋውሞ ኣሲሚዓ ኣላ፡፡

ግብፂ ኣብዞም ዝሓለፉ ዓመታት እውን ምስ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ #ኤርትራን ኡጋንዳን ዲፕሎማስያዊ ዑደት ብምቕይያር ኣብ ጉዳይ ህዳሴ ግድብ ዘለወን መትከል ምስ መርገፂኣ ከተዋሃህዶ ብዙሕ ፃዕሪ ገይራ እያ፡፡

ሓድሽ ተመራፂ ፕረዚደንት ሃገረ ሶማልያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ናብ ኤርትራ፣ ኬንያን ጅቡትን ምብፃሕ ስራሕ ድሕሪ ምፍፃም ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ መደብ ሒዞም እኳ እንተነበሩ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ግና እቲ ዑደት ከምዝተሰረዘ ይፍለጥ፡፡

ብፀጋይ መኮነን