Home ዜና ግዝያዊ መፍትሒ ሰብ ሃፍቲ

ግዝያዊ መፍትሒ ሰብ ሃፍቲ

1572

በዓል ሃፍቲ ሃለቃ መጎስ ንጉስ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብወታደራት ፋሽስትን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ዝተፈፀመ ወራርን ጨፍጫፍን መራብሒ እንስሳት ዝዓነዎም እዮም፡፡ እተን ኣላሕም ካብ ሆላንድ ዝተዓደጋ ሙሩፃት ዓሌት ከምዝነበራ ድማ እቶም በዓል ሃፍቲ ገሊፆም።

ካብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንነዘ ወንኦም ብምልዕዓል እቲ ዝዓነወ ሕዛእቲ ኣሕምልትን ፍረምረን ብግዝያውነት ካብ ምልማዕ ብተወሳኺ ዕዳጋ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ግደ የበርክት ከምዘሎ ኣብ ዋዕላ ራያ ቫሊ ኢንቨስትመንት ሓቢሮም፡፡

ሰብ ውልቀ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም ብግዝያውነትን ዘላቕነትን ቁጠባዊ ሕውየት ንምድንፋዕ ምስ ሙሁራን ሕርሻ ዘሎ ረኽቢ ክጠናኽር ይግባእ ኢሎም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ሞያዊ ድጋፍ እንተደኣ ተገይርሎም ቁጠባዊ ምንቅስቓሳት ክነቓቕሑ ተኽእሎ ከምዘለዎም ድማ ሎሬት ዓለም ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ሓቢሮም፡፡

ሰብ ሞያ ሕርሻ ዩንቨርስቲ #መቐለ ምስ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብምትሕብባር ብተግባር ዝተደገፈ ሞያዊ ደገፍ ንምሃብ ድልዋት ከምዝኾኑ ድማ ኣብቲ ዋዕላ ተሓቢሩ፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ