Home ዜና ጎቦታት ገራዓልታ ካብቶም መለለይ ጫፍ ብልሕን ጥበብን ቀዳሞት ወለድና ዝኾኑ ካብ ከውሒ...

ጎቦታት ገራዓልታ ካብቶም መለለይ ጫፍ ብልሕን ጥበብን ቀዳሞት ወለድና ዝኾኑ ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ኣብያተ ክርስትያናት ትግራይ ሓቒፎም ዝሓዙ ህያው ምስክራት ።

623

ኣብ ትግራይ ካብ ኣኻውሕን እንባታትን ብዘደንቕ ጥበብ ዝተፈልፈሉን ዝተስኣሉን ልዕሊ 120 ኣብያተ ክርስትያናት ከም ዝርከብ ድርሳናት ታሪኽ የረድኡ። ካብዚኣቶም ድማ እቶም 30 ውቁር ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ጎቦታት ገራዓልታ ከም ዝርከቡ ምሁራት እቲ ዓውድን ዝተፈላለዩ መፅናዕትታትን ይሕብሩ።

ጎቦታት ገራዓልታ ካብ ከተማ ሓውዜን ንኣንፈት  ምዕራብ ብማእኸላይ ካብ 13-15 ኪሎሜትር ርሕቐት ዝርከቡ እንትኾኑ ካብ ቆራሮ ክሳብ ኣብራሃ ወኣፅብሃ ዝተዘርግሑ እዞም ጎቦታት ኢድ ንኢድ ተታሒዘም ኣጋይሽ ክቅበሉ ጠጠው ዝበሉ እዮም ዝመስሉ።

ካብ እግሪ ክሳብ ዝባን ክሳብ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ኪሎሜት ንውሓት ዘለዎም ጎቦታት ገራዓልታ ገና ኣብ ጓጎኦም ዝሓዝዎ ምሽጥር ጥበብ ወለድና ዝኾኑ ዘደንቕ ስእልን ቅርፃ ቅርፅን ከይራኣኻ ብደገኦም ኣንቃዕሪርካ ክተቋምቶም እንከለኻ እውን ኢዮም ቀልብኻ ዝስሕቡ።

ብሓፈሻ ጎቦታት ገራዓልታ ኢልና እምበር ሕድሕድ እምባ ንናይ ባዕሎም መፀውዒ ኣለዎም እዩ። ንኣብነት እንባ ቀመር፣እንዳ ዮሃንስ፣ደብረፅዮ ምጥቃስ ይካኣል።

እቶም ገዳማት ብዝተፈላለዩ ቅርፃ ቅርፅን ብስእሊ ናይ ዝተፈላለዩ ቅዱሳንን ዝማዕረጉ ስለ ዝኾኑ ንምድያቦም ኣፀገምትን ኣድከምትን ዋላ እንተኾኑ ንዓኣቶም ንምጉብናይ ካብ ዘለካ ባህግን ህንጥውነትን ድኻምካን ፍርሕኻን ኣይኮነን።

ካብቶም 30 ኣብ ጎቦታት ገራዓልታ ዝርከቡ ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ኣብያተክርስትያናት እንዳ ኣቡነ ገብረሚካኤል፣ እንዳ ኣቡነ ይማዓታ፣ደብረማርያም ቆርቆር፣እንዳማርያም በራቒት፣እንዳ ኣቡነ ኣብራሃም፣ማርያም ዛዕና፣ሚካኤል ማዐቁዲ ፣ኣብራሃ ወኣፅባሃ ምጥቃስ ይካኣል።

እዞም መርኣያ ውቁብ ጥበብ ስነ-ህንፃን ጥንታዊ ስልጣነ ዓለምና ዝኾኑ ኣሰር ብራኸ ጥበብን ንቅሓተሕልናን ቀደምት ወለድና ዘዘኻኽሩና ካብ ኣኻውሕ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ገዳማት ንዓይንኻ ዝማርኹን ቀልብኻ ዝገዝኡን ብምዃኖም እቶም ኣብ ጠርዚ ምዕባለ ዝበፅሑ ፀዓዱ እውን  እንትኾነ ነዞም ዓሸራ ጥበብ ጥንታዊ ስልጣነ ወለድና ዝዓረፎሞ ሚስጥራውያን ገዳማት ንምህዋፅን መንፈሶም ንምሕዳስን ነዊሕ ተጓዒዞም ባሕሪ ኣቋሪፆም ናብ ትግራይ ይመፁ። ነበር ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ቢን ክሊንተንን ፍሉጥ ተዋሳኣይ ዓለምና ስሚዝን ጎቦታት ገራዓልታ ካብ ዝጎብነዩ ወፃእተኛታት እዮም።

ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ምፍፃሙ ኣብ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ገራዓልታ ካብ ኣኻውሕ ተፈልፊሎም ዝተገደሙ ገዳማትን ብሓፈሻ ድማ ትግራይ ንኣሽሓት ዓመታት ዝሓቖፎቶም ጥንታውያን ሓድግታት ንምህዋፅ በቢዓመቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ወፃእተኛታት ናብ ትግራይ ዝውሕዙ ዝነበሩ እንትኾን ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ግና ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19ን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መግለፂ መንነቱን ክብርታቱን ዝኾኑ ሓደግታትን ብሰንኪ ዝተፈፀመ ወፍሪ ጀኖሳይድ እታ መዓልታዊ ሃወፅቲ ዘይፍለይዋ ዝነበረት ትግራይ ኣብ ፀልማት ፀኒሓ።

ብብርሃነ መስፍን