Home ዜና ”ጓለይ ብዕስለ ከም ዝተደፈረት ኢዩ ዝስመዐኒ ” ዶ/ር ፀጋይ ገ/ግዚኣብሔር

”ጓለይ ብዕስለ ከም ዝተደፈረት ኢዩ ዝስመዐኒ ” ዶ/ር ፀጋይ ገ/ግዚኣብሔር

514

 __

ብሚኒስትር ጥዕና #ኢትዮጵያ ዶ/ር #ሊያ ታደሰን ካልኦት ኣመራርሓን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዝተፈላለዮ ከባቢታት ትግራይ ዑደት የካይድ ኣሎ ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዞባታት ማእኸላይን ምብራቕን ትግራይ ተዘዋዊሩ ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ኣብ ትካላት ጥዕና ዘብፅሕዎ ዕንወትን ጉሕለትን ይዕዘብ ኣሎ።

 እቲ ናብ ዞባ ምብራቕ ዘምርሐ ብሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደስን ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይንዠ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለን ዝምራሕ ጉጅለ ጥዕና ኣብ መባእታዊ ሆስፒታል ዶ/ር ፀጋይ ገ/ግዚኣብሔር/ፋፂ፣ጣብያ ጥዕና ፋፂ፣ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራትን፣መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ-ወይኒን ጣብያ ጥዕና ደንገላትን ተዓዚቡ ኣሎ።

ዶ/ር ፀጋይ ገ/ግዚኣብሔር ይበሃሉ ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ወራር ትግራይ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከተማ ፋፂ ብልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ናይ ዝተሃነፀ ዘመናዊ መባእታዊ ሆስፒታል 50 ሚኢታዊ ገንዘባዊ ኣበርክቶም። ባህጊ ዶ/ር ፀጋይ ህዝቢ ጉሎመኸዳን ከባቢኡ ዝርከባ ወረዳታትን ጥራሕ ዘይኮነስ ዶብ ሰጊርካ ምስ ትግራይ ዝዳቦብ ህዝቢ ኤርትራ እዉን ተጠቃሚ ዉሑስ ግልጋሎት ክኸዉን ከም ዝነበረ ንቲ ጉጀለ ገሊፀሙሉ።

 እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ወራር ስዒቡ ወረራ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ተሰፋ ዉሑስ ጥዕና ሕ/ሰብ ክኸዉን ተገይርሉ ሙሉእ ናዉቲ ሕክምና ወኒኑ ስራሕ ጀሚሩ ዝነበረ ዘመናዊ ሆስፒታል እቲ ዝበዝሕ ነቓቒሎም ንኤርትራ ወሲዶም ዝተረፈ ሙሉእ ብምሉእ ከም ዘዕነዉዎ ሓቢሮም ።

ዶ/ር ፀጋይ ገ/እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገለፀኦም ዘረበኦም እናተቖራረፀ እዚ ፅባሕ ተስፋ ጥዕና 10ተታት ኣሽሓት ኣዴታትን ህፃናትን ዝነበረ ሆስፒታል ዓንዩ ምርኣየይ”ጓለይ ብዕስለ ከም ዝተደፈረት ኢዩ ዝስመዐኒ ” ኢሎም ብዝተሰበረ ልቢ ዓይኖም ቅፅርፅር እናበለ ኣብሪሀሙሎም ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣሚኑኤል ሃይለ ኣብ ኢድ እቶም ወረርቲ ሓይልታት ዘሎ ግዝኣትና ዝርከባ ትካላት ጥዕና ከየካተት ብዝተገበረ ፈላማይ መፅናዕቲ በቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእን ከም ዝዓነወ ሓቢሮም። እቲ ገጢሙ ዘሎ ዕንወት ዳግም ሃኒፅካ ትካላት ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ግልጋሎት ንክመለሳን በቢ መዓልቲ ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ምዕሩይ ግልጋሎት ሕክምናን ዝመዉት ዘሎ ህዝብና ህይወት ንምትራፍ ዓቕምና ፀንቂቕና ምስ መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝትናን ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

 ኣይተ ጠዓመ ኣርዓዶም ሓላፊ በዓል መዚ ቁፅፅር መድሓኒት ትግራይ ኢዮም ኣብ ትግራይ ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ሓዊስካ 40 ሆስፒታላት ከምዝነበራን ካብዚኣተን እተን 20 ሆስፒታላት በቶም ወረርቲ ሓይልታት ሚኢቲ ሚኢታዊ ከም ዝዓነዋ ሓቢሮም።

መባእታዊ ሆስፒታል ዶ/ር ፀጋይ ገ/እግዚኣብሄር/ፋፂ እዉን ካባኣቶም ሓደ ኮይኑ ብብርኪ ዝህቦ ግልጋሎትን ዘበናዊ ናዉቲ ብምዉናንን ብቐዳምነት ዝርቋሕ ምንባሩን ሐዚ ግና ሙሉእ ብምሉእ ምዕናዉ ኣይተ ጠዓመ ይዛረብ። ሚኒስተር ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ብሰንኪ እቲ ኩናት ሆስፒታላትን ካልኦት ትካላት ጥዕና ትግራይ ከም ዝዓነዉን ከም ዝተጉሓሉን ብዓይንና ተዓዚብና ክብላ ገሊፀን።

እቲ ብሰንኪ ኩናት ዓንዩ ዘሎ ትካላት ጥዕና ትግራይ ከም ዳግም ብዝሓሸ መልክዕ ቀልጢፍካ ሃኒፅካ ናብ ግልጋሎት ህዝቢ ክዉዕል መንግስቲ ፌዴራል ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ምዃኑ እዉን ሓቢረን። ብምባል ቀልጢፍና ናብ ተግባራዊ ስራሕ ክንኣቱ ኢና ክብላ ገሊፀን።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ኣብ ዞባ ማእኸልን ምብራቕን ተዘዋዊሩ ዝተዓዘቦን ብሓፈሻ ድማ በቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝበፀሐ ዕንወትን ንምፍላጥን ፅባሕ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ከካይድ ኢዩ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ