Home ዜና ጥሜት ግዜ ኣይህብን

ጥሜት ግዜ ኣይህብን

376

መራኽብቲ ሓፋሽን ኪነ-ጥበባውያንን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ጠጠው ብምባል ን91ሚኢታዊ  ህዝቢ ትግራይ  ከድሕኑ ኣመራርሓ ሓይሊ ዕማም ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣባ ጥዑም በርሀ ፀዊዖም።91ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ስለ ዝጠልብ ኩሉ ብፅሒቱ ክፍፅም ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት መንቀሊኡ ብተፈጥሮ ዝመፀ እኳ እንተኾነ ህይወት ወገናት ንምድሓን ግና ይግበአና በሃልቲ ስርሖም ብዘይምስርሖም ህዝቢ ኣደዳ ሞት ክሓልፍ ክንርኢ ተገዲድና ኣለና ዝበሉ ኣመራርሓ ሓይሊ ዕማም ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣባ ጥዑም በርሀ መራኽብቲ ሓፋሽን ኪነ-ጥበባውያንን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ጠጠው ብምባል ህዝቢ ትግራይ  ከድሕኑ ፀዊዖም።

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ዘሰናድኦ መድረኽ ሰብ ሞያ መራኽብቲ ሓፋሽን ኪነ ጥበባውያንን ነቲ ባይታ ዘሎ ሓደጋ ብዝምጥን ኣብ ምስራሕ ክፍተት ከምዘሎ ን ብዝተዋደደ መንገድን ህዝቢ ብዘድሕንን ክስራሕ ኣብሪሆም።

 ሰብ ሞያ መራኽብቲ ሓፋሽን ኪነጥበብን ብግደኦም ዋላ እንተደንጎና ሕዚ እውን ይግበአኒ በሃልቲ ብዝተተለመ መንገዲ ኣጀንዳና ንዓለም ብምቅላሕ ነዚ ግዜ ዘይህብ ሓደጋ ጥሜት መፍትሒ ክናደየሉ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

 ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዝሰርሑ ዝነበሩ ትካላት ኣብ ስርቅን ምጥፍእፋእን ብምስታፎምን ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ስለዝሰኣኑን ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ 23 ኣመራራርሓ ዘለዉዎ ብግዝያዊ ትግራይ ተጣይሹ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።

ገ/መስቀል ኪሮስ