Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ጥንታውን ታሪኻውን ይሓ

ጥንታውን ታሪኻውን ይሓ

47

ሰራሕቲ ፅገና ጥንታዊ ሓድጊ ቤተመቕደስ ይሓ ኣብ መፃኢ ዓመት ከምዝጅመር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ስራሕቲ ፅገና ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምትሕብባር ዝሳለጥ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣፅብሃ ገብዝጋብሄር ተዛሪቦም።

እቶም ሓላፊ ነዚ ዝተዛረብ ብምትሕብባር ቢሮ ባህልን ቱሪዝም፤ ማሕበር ልምዓት ይሓን ቴሌቭዥን ትግራይን “ቱሪዝም ናብ ረብሓ ህዝቢ” ንምልዋጥ መሰረት ዝገበረ ዋዕላ ጥንታዊ ይሓ እንትሳለጥ እዩ።

ጥንታዊ ከተማ ይሓ ንሙክራብ ይሓ ሓዊሱ ቤተ መንግሰትን ገዳማትን ዝሓዘ ዋላእንተኾነ ብመዳይ መስሕብ ቱሪዝም ግና ዛጊድ ዘይተሰርሐሉ ዕማም እዩ ኢሎም ዶክተር ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር።

ተወካሊ ማሕበር ልምዓት ይሓ ኣይተ ብርሃነ ሃይሉ ጥንታዊ ሓድግታት ይሓን ካልኦት ሓድግታት መላእ ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ጠመተ ኣይረኸቡን ኢሎም።

ነዚ መሰረት ብምግባር ጥንታዊ ከተማ ይሓ እኹል መሰረተ ልምዓት ተሰሪሕሉ ፍልፍል ኣታዊ ቱሪዝም ንክኸዉን ግደ ሰብ ሃፍትን መንግስቲን ልዑል እዩ በሃሊ እዮም።

ኣብቲ ዋዕላ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ዘካየዱ ሙሁራን ሰነ ጥንቲ ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመራርሓ መንግስትን ተረኺቦም እዮም።

#ብሳራ_ኣብርሃለይ