Home ዜና ጨፍጫፍ ንፁሃት ኣብ ማርያም ሸዊቶ

ጨፍጫፍ ንፁሃት ኣብ ማርያም ሸዊቶ

1088

ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ጥራሕ ካብ ህፃን ክሳብ ሰብ ፀጋ ዕድመ ልዕሊ 90 ሰባት ከምዝጨፍጨፈ ተገሊፁ፡፡

ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ካብ ህፃን ክሳብ ሰብ ፀጋ ዕድመ ዝረኸቦም ብኣልማሚትን ግፍዓዊ ብዝኾነ መንገድን ከምዝጨፍጨፈን ዛጊድ ብዝተረኸበ መረዳእታ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝቐተለ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ማርያም ሸዊቶ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ልዕሊ 90 ንፁሃት ብዘስካሕክሕ መንገዲ ከምዝጨፍጨፎምን ዝተረፈ ክፋል ሕብረተሰብ ብጥሜትን ዕርቃንን ንኽሃልቕ ብምዕላም ገዛታትን ዝራእቲ ሓረስታይን የቃፅል ብእንስሳ ክብላዕ ይገብር ምንባሩ ግዳያት ገሊፆም፡፡

ኣራዊት ሰራዊት ኢሰያስ ኣፈወርቂ መሬት ዓድዋ ካብ ዝረገፀሉ እዋን ጀሚሩ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ንፁሃት ሰባት ማለት እውን ህፃናት ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ፣ ጉዱኣት ኣካል ሓራሳት ኣዴታት ኮታስ ንዝረኸቦ ህዝቢ ብኣልማሚትን ብግፍዓውን መንገዲ ብምጭፍጫፍ ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣፅኒቱ ወለዲ ኣልባ ህፃናት ክበራኸቱ ገይሩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ጣብያ ማርያም ሸዊቶ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ጥቅምቲ 15 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ መዓልትታት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ገዝኦም ውሽጥን ካብ ገዛ ብምውፃእን እናኣከበ ብድዐታት እናተዛረበ ንኹሉ ብኣልማሚት ምጭፍጫፉን በዚ ድማ ከምስድራ ዘፅነቶም ከምዘለዉ ስድራ ግዳያት ገሊፆም፡፡

ኣባላት ስድርኦምን ኣሕዋቶምን በቲ ኣራዊት ሰራዊት ምቕታሎም ከይኣክል ከይተቐበሩ ክቕንዩን ካብ ጨፍጫፍ ዝቐረዩ እውን የሳቕዮም ምንባሩ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ዝተረፉ ኣባላት ስድራ እውን ብጥሜትን ዕርቃንን ንኽፀንቱ ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ መንበሪ ሓረስታይ የቃፅል ፣ ንብረት ይጉሕል ፣ ዝራእቲ የቃፅልን ብእንስሳ ክብላዕን ብምግባር ኮታስ መነባብሮ ሓረስታይ ክተሓላለኽ ገይርዎ ይርከብ፡፡

ኣብ ብርክት ዝበላ ጣብያታት ወረዳ ዓድዋ ካብ ህፃን ክሳብ ሰብፀጋ ዕድመ ፣ ካብ ኣካል ጉዱኣት ክሳብ መራሕቲ ሃይማኖት ኢዶም ንድሕሪት እናኣሰረ ናብ ቃላይ ክጠልቁን ብሓዊ ክቃፀሉን ብምግባር ሰራዊት ኢሳያስ መስካሕካሕቲ ቅትለታት ይፍፅም ምንባሩ ዝገለፁ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ኣይተ ኣበራ ሃይለ ዛጊድ ብዝተገበረ ዳህሳስ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝጨፍጨፈን ብርክት ዝበሉ ሰባት ዝጨወዮም እውን ደሃዮም ከምዘይተረኽበን ኣብሪሆም፡፡

ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣብታ ወረዳ ልዕሊ 220 መንበሪ ገዛታት ኣቃፂሉ ፣ ብኣሽሓት ዝግመታ ሃፍቲ እንስሳ ሓሪዱወን፣ ኣማኢት ሄክታራት ዝራእቲ ኣቃፂሉ ዝተረፈ እውን ብእንስሳት ክብላዕ ብምግባር ህዝቢ ብዓፀባ ክሳቐ ምግባሩ ኣይተ ኣበራ ሃይለ ሓቢሮም፡፡

እቲ ኣራዊት ሰራዊት መንግስታዊ ትካላት ጥዕና፣ ትምህርቲ ፣ ካልኦት ትካላትን ኣዕንዩዎም ብምኻዱ ህዝቢ እታ ወረዳ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዘሎን ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር መንግስቲ ፌደራል ኣድለይቲ ሓገዛት ብምግባር ካብ ዘለዎ ዝተሓላለኸ ፀገም ከውፅኦ እቶም ኣማሓዳሪ ተላብዮም፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ