Home ዜና ፀላእቲ ዘባህረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ

ፀላእቲ ዘባህረን ዘሰንበደን ወፍሪ ኣሉላ

1113

—–

ጅግንነታዊ ስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ነቶም ኣብ ወፍሪ ኣሉላ ዝተሳተፉ ዝደምሰሰ ንዘይተሳተፉ ድማ ባህሪሮም ክሃድሙ ዝገበረ ወፍሪ ከምዝነበረ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም፡፡
ወፍሪ ኣሉላ ኩሉ ትግራዋይ ብደጀንን ግንባርን ሰሚሩ ልኡኹ ዝፈፀመሉን ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዝተመስከረሉ ነይሩ ድማ ኢሎም እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፡፡

ወፍሪ ኣሉላ ሰራዊት ትግራይ ካብ ደባይ ውግእ ናብ ስሩዕ ውግእ ዝተሰጋገረሉን ኣብ ፀላኢ ከቢድ ስዕረት ን ኪሳራን ዝተመዝገበሉ ወፍሪ ከም ዝነበረ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ገሊፆም፡፡


ተጋዳላይ ሃይልስላሴ ግርማይ /ወዲ እምበይተይ/ ወፍሪ ኣሉላ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንምድምሳስ ወፂኦም ዝተደምሰሱሉን ካብ ትግራይ ዝገበረን ፉሉይ ወፍሪ ከምዝኾነ ገሊፁ..
ወፍሪ ኣሉላ ፅንዓትን ጅግንነትን ሰራዊት ትግራይ ካብዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝተመስከረሉ ከምዝኾነ ዝሓበረ ተጋዳላይ ሃይልስላሴ ግርማይ /ወዲ እምበይተይ/ ፀላእቲ ክድምስሱ ወፂኦም ዝተደምሰስሉ ኣብቲ ውግ ዘይተሳተፈ ድማ ብውቂዒት ሰራዊት ትግራይ ባህሪሮ ዝሃደምሉ ወፍሪ ነይሩ፡፡


ወፍሪ ኣሉላ ሰራዊት ተልእኹኡ ንምፍፃም ዘርኣዮ ቆራፅነትን ውፍይነትን መግለፂ ኣልቦ ከምዝነበረ ዝገለፀ ድማ ተጋዳላይ ዘነበ ክፍለ እዩ፡፡ ሚስጥር ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ኩሉ ትግራዋይ ብደጀንን ግንባርን ብሓደ ዓይነት መንፈስን ተግባርን ልእኹ ዝፈፀምሉ ወፍሪ ነይሩ ዝበለ ድማ ተጋዳይ ገብረግዝኣብሄር በየነ እዩ፡፡


ተጋዳላይ ንጉስ ኣበጀ ብግዲኡ መሰረት ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብልሒ እቲ ዓወት እዩ ይብል፡፡እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዓወት ወፍሪ ኣሉላ ውፅኢት ምንባብን ስምረት ህዝብን ሰራት ትግራይን እዩ ኢሎም፡፡

ብሰለሙን በርሀ