Home ዜና ፀብፃብ ገበን ውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ንፓርላማ ኣውሮፓ

ፀብፃብ ገበን ውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ንፓርላማ ኣውሮፓ

467

ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ዝተፈፀሙ ገበናት ጀኖሳይድን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣድሚፁ።

ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅን ጥሜትን ከም መሳርሒ ጀኖሳይድ ገይሩ ክጥቀመሉ ምፅንሑ፤ ናብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ዝቐረበ ሪፖርት ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብቲ ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ብጀርመን ግሪን ፓርቲ ዝተዳለወ መድረኽ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፓርቲታትን ነጠፍቲ ሰብኣዊ መሰላትን ምስታፎም ፓርላማ ኣውሮፓ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡

ናብቲ ፓርላማ ሪፖርት ዘቕረቡ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዶክተር ሙሓመድ ባቢኬርን ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኮኸብ ገብሩን እንትኾኑ፤ ወታደራት ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዕስላዊን ባርነት ፆታን ከም ዝፈፀሙ ኣመላኺቶም፡፡

ወታደራት ኤርትራ ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ምንባሮም ዝገለፀት ኮኸብ ገብሩ፤  ኣፈፃፅማ እቲ ገበን ዘርኢ ተጋሩ ንምጥፋእ ኮነ ተባሂሉ ስለ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ተባሂሉ ብስሙ ክፅዋዕ ይግባእ ኢላ፡፡

ወታደራት ኤርትራ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ፅንተት ብምትሕብባር ብዕስለን ብውልቂን ካብ ኣናእሽተይ ህፃናት ክሳብ ብዕድመ ዝደፍኣ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይ ዕድመ ኣፈላላይ ከም ዝዓመፁ ዝሓበረት ኮኸብ፤ እቲ ተግባር ተሓሲብሉ ዝተፈፀመ እንበር ኣብ እዋን ኲናት ዘጋጥም ዝተለመደ ገበን ኣይኮነን ኢላ፡፡

ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል መንግስቲ ኤርትራ ብ600 ገፃት ተጠሪዙ ናብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣታዊ ከም ዝተገበረን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ኢንባሲታት ኤርትራ ካብ ዴፕሎማሲያዊ ስራሕቶም ንላዕሊ ኣብ ስለላ ዝተዋፈሩ ምዃኖም ዝገለፀ ኣባል መሪሕነት ብሩህ መፃኢ ኤርትራ በየነ ገ/ሄር ብግዲኡ፤ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ህግደፍ ዘለወን መርገፂ ብልክዑ ክኸውን ይግባእ ኢሉ፡፡

ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራተ ሃገራት ኣብ ኤርትራ ፍሉይ ልኡኽ ካብ ዝህበኒ ኣትሒዙ፤ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምንግስቲ ኤርትራ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣዝዩ የንቆልቁል ኣሎ ዝበሉ ሱዳናዊ ዶክተር መሓመድ ባቢኬር፤  ወታደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ብመረዳእታ ዝተደገፈን ዓለም ክርደኦ ዝግባእን ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ዕስላዊ ፆታዊ ዓመፅ፣ ምጭፍጫፍ ሰላማዊያን ሰባት፣ ዘስካሕኽሕ ቅትለት፣ ምጭዋይን ምዕናው መሰረተ ልምዓትን፤ መግለፂ ወታደራት ኤርትራ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ኤርትራ ከይተረፈ ብሓይሉ ናብ ዓዲ ክምልሱን ንብረት ሰለማዊያን ሰባት ክጉሕልን እውን ተራእዩ ዝበሉ ሙሓመድ ባቢኬር፤ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ እውን ብሰራዊት ኤርትራ ዝፍፀም ገበን ይቕፅል ምህላዉ ጠቒሶም፡፡

ኣብ ኤርትራ ሕዚ እውን ጎስጓስ ኲናትን ግዱድ ዕስክርናን ቀፂሉ ምህላዉ ዘመላኸቱ ዶክተር መሓመድ ባቢኬር፤ ካብ 400 ክሳብ 600 ሽሕ ዝኣክል ብሓይሊ ዝተዓስከረ ወታደር ኤርትራ ይሙት ይሃሉ ብስድርኡ ከም ዘይፍለጥን ዝተፈላለያ ስድራታት ብጭንቀት ተዋሒጠን ምህላወንን ኣመላኺቶም፡፡

ኣብ ትግራይ ኣይንዋጋእን ዝበሉ ወታደራቱ ክሳብ ሞት ዝበፅሕ ወታደራዊ ቅፅዓት ክወርዶም ምኽኣሉ መረዳእታ ኣለና ዝበሉ ባቢኬር፤ ብዛዕባ ሰላም ዘምህሩ መምህራንን ኣመንቲን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ግዳይ ማእሰርቲ ኮይኖም ምህላዎም ኣብ ፀብፃቦም ኣመላኺቶም፡፡

ገብረእግዚኣብሄር ሃይሉ