Home ዜና ፃዉዒት ሓገዝ ሆስፒታል ዓይደር —-

ፃዉዒት ሓገዝ ሆስፒታል ዓይደር —-

1457

ኮምፕረሀንሲቭ ስፐሽያላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር ንሕክምና መጥባሕቲ ሓንጎል፣ልብን ሕፅበት ኩላሊትን ዘገልግሉ ዓበይቲ ማሽናት ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘብ ብዘይምፅጋኖም ግልጋሎት ምሃብ ከምዘቋረፁ ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ንጎረቤት ክልላት ግልጋሎት ብምሃብ ከበድቲ ሕማማት ንምሕካም ዘገልግል ዝነበረ ብሕታዊ ዘመናዊ ሆስፒታል ሕዚ ብሰንኪ እቶም ማሺናት ዘይምፅጋኖም ግልጋሎት ኣብ ዘይህበሉ ብርኪ ብምብፅሑ ኩሉ ዝምልከቶ ሓገዙ ከበርክትን ዳግም ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ክኣትው ከምዘለዎም ዋና ሓላፊ ምምሕዳርን ልምዓትን እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሃይለስላሰ በርሀ ገሊፆም።

ምክትል ሜዲካል ዳይሬክተርን ፍሉይቲ ክኢላ ሕክምና ኩላሊትን ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር መስቀሉ ኪዱ ብወገነን ንሕፅበት ኩላሊት ዘድልዩ እታወታት ብዘምህላዎምን በብሰለስተ ወርሒ ፅገና ይግበረሉ ዝነበረ ማሽን እዉን ብሰንኪ ሕፅረት ገንዘብ ብዘይምፅጋኑ ሕሙማን ኩላሊት ግቡእ ግልጋሎት ክረኽቡ ብዘምኽኣሎም ከቢድ ፀገም ኣጋጢሙ ከምዘሎን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ኣድለይቲ ሓገዛት ክገብሩ ፀዊዐን።

ካብዚ ብተወሳኺ ቕድሚ ኲናት ብልዕሊ 100 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝተዓደገ ንሕማም ካንሰር ንምሕካም ዘገልግል ማሽን ኣብ ህንፀት ዘሎ ማእኸል ሕክምና ካንሰር ህንፀቱ ብምቁራፁ ተሓከምቲ ካንሰር ሰኣን ግልጋሎት ሕክምና ኣደዳ ገልታዕታዕን ሞትን ይኾኑ ከምዘለዉ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብቲ ሆስፒታል ዘሎ ፅበት ሃንደበታዊ ክፍሊ ሕክምና ንምፍታሕ ተጀሚሩ ዝነበረ ህንፃ እዉን ስኣን ገንዘብ ተቑሪፁ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ኣወሃህባ ግልጋሎት ሕክምና እቲ ሆስፒታል ናብ ንቡር ንክምለስ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም።

ገ/መድህን ተ/መድህን