Home ዜና ፃውዒት ምፅራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ

ፃውዒት ምፅራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ

1228

ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ክፍታሕን ምርመራ ሰብኣዊ ግህሰት ክካየድን ይግባእ- ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ ሜሪላንድ ፡፡

ድሕሪ ከቢድ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕሱም ጥሜት ብህፁፅ ክፍታሕ ቅዋም ዝሓዘ ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ መርመርቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ትግራይ ኣትዮም ምፅራይ ክገብሩ ክፈቅድ ፀዊዑ፡፡

ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ ዞባ ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ ምክትል ኣዶ መንበር ወላ ብሌጋይ ምስ ተወከልቲ ትግራይ ኣብ ሜሪላንድ ድሕሪ ምርኻብ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፤ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ንዝተፈፀመን ንዝፍፀም ዘሎን ዓመፅን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምኹናን ህፁፅ መፍትሒ ክወሃቦ ፀዊዐን፡፡

1 መስከረም 2016 ዓ.ም ብምክትል ኣዶ መንበር ዞባ ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ ዋላ ብላጋይ ዝተሳለጠ እቲ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበን ብብርኪ ዓለም ሕጋዊ ስርዓት ሒዙ ንኽፍታሕን ገበነኛታት ተሓተትቲ ዝኾንሉ መስርሕ ንምትብባዕን ምዃኑ ጠቒሰን፡፡

ምክትል ኣዶ መንበር ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ ብሌጋይ ምስ ሓባራዊ መስረቲ ጉጅለ ተሓላቒት ሌጋሲ ትግራይ ኤደን ካሳን ልዕሊ ዕስራ ኣባላት ማሕበረሰብ ትግራይ ብምትሕብባር ኣብ ዘካየደኦ መድረኽ ምትእኽኻብ ድምፂ፤ ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ነቲ ውሳነ ሓሳብ ብምድጋፍ ድምፂ ከም ዝሃቡ ተሓቢሩ፡፡

ኣንቃሒት ማሕበረሰብ ትግራይ ኤደን ካሳን ኣይተ መስፍን ኣየነውን ንማሕበረሰብ ትግራይ ነበርቲ እቲ ከባቢ ወኪሎም መረዳእታታትን ኣብ ትግራይ ብህፁፅ ክትግበሩ ዝጠልብዎም ጉዳያትን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ዘቕረቡ ኮይኖም፤ ኣባላት ቤት ምኽሪ ብግዲኦም ዝቐረቡሎም መረዳእታታት ምስ ኣባላት ሴኔትን ኮንግረንስን ኣሜሪካ ንምዝርራብ ሚዛን ዝደፍኡ ምዃኖም ጠቒሶም፡፡

ንማሕበረሰብ ትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ፤ ውልቃዊ ዛንታታት ኣብ ትግራይ ግዳያት ጀኖሳይዳዊ ኵናት ናይ ዝኾኑ ኣባላት ስድራቤት ዘካፈሉ ኾይኖም ግዱድ ፆታዊ ዓመፅ፣ ምምዝባል፡ ቅትለት፣ መግረፍቲን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ግህሰት ሰብኣዊነት ከም ዝተፈፀመ ኣመላኺቶም፡፡

ብምክትል ኣዶ መንበር ብሌጋይ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ቁፅሪ CR-080-2023፡ ዝፀደቐ ኮይኑ ማሕበረሰብ ዓለምን ዞባዊ ትካላት ከምኡ ድማ ክልተኣዊ መሻርኽቲ ፤ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ሰብኣዊ ትካላት ክድግፉ ዘተባብዕ ኮይኑ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ መርማሪ ኮሚቴ ኣብ ትግራይ ፃንሒቱ ክናውሕ ሓቲቱ።

ግዘ ስራሕ መርማሪ ኮሚሽን ጥሕሰት ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ትግራይ ንኽናዋሕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ዲያስፖራ ትግራይ ብግዲኦም፤ ካብ ምትእኽኻብ ፊርማ ብተወሳኺ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ህዝቢ ትግርይ ፍትሕ ክረክብ ክረጋገፅ ልዑል ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ፀብፂቡ፡

ብገብረእግዚአብሔር ሃይሉ