Home ማሕበራዊ ፅልምትምት ጉዕዞ ኢትዮጵያ

ፅልምትምት ጉዕዞ ኢትዮጵያ

913

ትግራይን ኦሮሞን ዘይውክል ኮሚሽን ዘተ ኣይዕወትን ክብል ወርልድ ቪው ፀብፂቡ፡፡ ጊዚያዊ ተፃብኦ ደው ምባል ስዒቡ ተስፋ ዝተነበረሉ ዘተ ሰላም፤ ብዓንቃፅ መርገፂ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ይብርዕን ምህላዉን፤ ህወሓትን ውድብ ሓርነት ኦሮሞን ኣግሊሉ ዘጣየሾ ኮሚሽን ዘተ ፍረ ኣልባ ምዃኑን ፀብፃብ ወርልድ ቪው ኣመላኺቱ፡፡

ጊዚያዊ ደው ምባል ተፃብኦን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ኣትዩ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ዓፀባ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ተባሂሉ ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ ዝፀብፀበ ወርልድ ቪው፤ እቲ ስምምዕነት ብዝተሓሰበሉ ዘይምፍፃሙን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዓፀባ ከምዘይተላቐቐን ሓቢሩ፡፡

ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ወርቃዊ ዕድል የምልጠሉ ኣሎ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፤ ብሰንኪ ዓንቃፅ መርገፂኡ ድማ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያን ህዝባን ውን ይፅልምት ምህላዉን፤ ኣብቲ ሃገር ናብ ወጥሪ ኣትዩ ዘሎ ፖለቲካዊ ጎንፂ ናብ ምብትታን የምርሕ ምህላዉን ፀብፂቡ፡፡

ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ዘጣየሾ ኮሚሽን ዘተ ብሚዲያታት ምቅልሑ ስዒቡ፤ ኣዶ ወንበር ጥምረት ካውንስል 50 ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ፤ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኮሚሽን ከም ሃገራዊ ዘተ ዘይኮነስ ከም መፈራርሒን ውልቀ ስልጣኑ ሕጋዊ ንምግባርን ይጥቀመሉ ኣሎ ብምባል ከም ዝገለፅኦ እቲ ፀብፃብ የማላኽት፡፡

ኣብ መንጎ ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ምብራቕ ሽዋ ዘሎ ጎንፂ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣብይ ዝመርሖ ውድብ ምንጋዕ ከይፈጥር ስግኣት ምፍጣሩ ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ፤ ሰራዊት ትግራይ ዝወስዶም ስጉምቲታት ድማ ኣብቲ ሃገር ከቢድ ስግኣት ይፈጥር ምህላዉ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ወርሒ መጋቢት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ንዝፀወዖ ጊዛዊ ተፃብኦ ደው ምባል፤ መንግስቲ ትግራይ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣቱ እንተኾይኑን፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥሜት ዘድሕን እንተኾይኑን ብኣወንታ ከም ዝቕበሎ ምግላፁ ዘዘኻኸረ ፀብፃብ ወርልድ ቪው፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብ 70 ዘይበልፃ መኻይን ምሕላፈንን፤ እዙይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝኸፍአ ጥሜት ከምዘየድሕናን ይገልፃ ምህላወን ኣዘኻኺሩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምማንን ውግእ ሕድሕድን፤ ብውሽጢ ዓደን ወፃኢን ዘጎሃህርዎ ኣካላት ምህላዎም ዘመላኸተ ፀብፃብ ወርልድ ቪው፤ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ንምጥፋእ ብዝብል ምስምስ ዝኸፈቶ ኲናት፤ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ዝፈፀሞ ገበን ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ንምሽፋን፤ ኣብይ ኣሕመድ ህወሓትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ብግብረ ራዕዲ ክስየሙ ምግባሩ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡

ሰራዊት ትግራይ፤ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፣ ፋኖን ሰራዊት ኣብይ ኣሕመድን ካብ ሕዚ ንደሓር ኣንፃር ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ተፃብኦ ሓቢሮም ዝስለፍሉ ዕድል ዝመንመነ እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ደቂ ሓደ ዓዲ ስለ ዝኾኑ ክተሓባበሩ ይግባእ ኔሩ ዝበለ ፀብፃብ ወርልድ ቪው፤ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መንጎ ብሄራት ኢትዮጵያ ዘይዕረቕ ድሌታትን ንሕንሕን ተፈጢሩ ዕላዊ ጌሩ፡፡

ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ፤ ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራ ወልቃይትን ራያን ንምውናን ምጉያዩ ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ፣ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን፣ ኣምሓራን ቤንሻንጉልን፣ ዓፋርን ሶማሌን ከምኡ ድማ ሰራዊት ትግራይ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲታት፤ ንምብትታን ኢትዮጵያ ምልክታት ምዃኖምን፤ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንህወሓት ዝሓቖፈ ሰለማዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ፍቓደኛ ዘይምዃኑን ዕድል ኢትዮጵያን ዘተ-ሰላምን ካብ ፅልምትምት ከይወፅእ ከም ዝገበሮ ተማላኺቱ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ